ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንፅልዋ ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ ዘፅንዕ ኣካል ኣኼብኡ ዛዚሙ


ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ
ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ
ዓለም-ለኸ ኪኢላታት ማይ፣ንክልተ መዓልታት ዘካየድዎ ኣኼባ ዛዚሞም። እንተኾነ ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ ዘስዕቦ ፅልዋ ዝምልከት ስምምዕነት ዝገልፅ ሪፖርት ወግዓዊ ኣይኮነን።

እቲ ብዕፁው ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ኪኢላታት ኢትዮዽያ፣ሱዳንን ግብፅን ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ናፃ ኪኢላታት፣ሎሚ ምሸት ዝሃብዎ ሪኢቶ የለን።

”ሰባት እቲ ሪፖርት ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ክግለፅ‘ዩ ይብሉ ነይሮም። ግን ኣይመስልን።እቲ ሪፖርት ድልዊ እንተነይሩ ዘጠራጥር‘ዩ ዝመስል። እንተዝዳለው‘ውን ቅድሚ ወግዓዊ ምኻኑ ናብ‘ቶም መንግስታት‘ዩ ዝቀርብ“ ባሃላይ‘ዩ ዳቪሰን።

እቲ ትፅቢት ዝተገበረሉ ሪፖርት ወግዓዊ ዝኾነሉ፣ብከመይ ኣገባብን መዓስን ዝብሉ ሕቶታት ንፁራት ኣይኮኑን ዝበለ ጋዜጠኛ ዳቪሰን፣እቲ ልዝብ ብዘይምርድዳእ ዝተዛዘመ ይመስል ይብል።

”ኩሉ ንኣፉ ዝሎጎመ ይመስል።ምስጢራዊ ልዝብ‘ዩ ዝካየድ ዘሎ።ገለ ተንተንቲ፣ወከልቲ ኢትዮዽያን ግብፅን ኣብ ገለ ነጥቢታት ኣይተቃደውን ይብሉ።ዘይተረዳድኡሎም እንታይ‘ዮም? ከመይከ‘ዮም ዝፍትሑ? ዝብሉ ሕቶታት፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ንምምላስ ዝካኣል ኣይመስለንን“ ኢሉ።

ዳቪሰን፣ኢትዮዽያ ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ንዋሕዚ ሩባ ኣባይ ምቅልባሳ፣ነቲ ልዝባት ዝሓላለኾ ይመስል።ሰበ-ስልጣን ግብፅን ሱዳንን በቲ ኢትዮዽያ ዝወሰደቶ ባዕላዊ ስጉምቲ ከምዝተገርሁ ገሊፆም‘ዮም።ምቅልባስ ዋሕዚ ሩባ ኣባይ፣ድሕሪ‘ቲ ኮሚቴ ኪኢላታት ዘውፅኦ ሪፖርት ክፍፀም‘ዩ ዝብል ትፅቢት እዩ ነይርዎም‘ውን ይብል እቲ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG