ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠንቂን ሳዕቤንን ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን - ICG


ጉጅለ ዓለም-ለኸ ቅልውላው
ጉጅለ ዓለም-ለኸ ቅልውላው

ስደት ኤርትራውያን ደው ንክብል ውሽጣዊን ደጋዊን ተዋሳእቲ ንከሐግዙ ጉጅለ ዓለም-ለኸ ቅልውላው (International Crisis Group) ፀዊዑ።

ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ዝበለፀ ዕድል ስራሕን ዕድላትን ክንረክብ ኢና ካብ ዝብል ተስፋ ተበጊሶም ይስደዱ‘ለው።እቲ ንኤርትራ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ኩነታት ስደት ግና ኣዚዩ ዝኸፍአ‘ዩ ይብል ጉጅለ ዓለም-ለኸ ቅልውላው።

መንግስቲ ኤርትራ ስለሃገራዊ ረብሓ ተባሂሉ ውልቃዊ ረብሓ መስዋእት ምግባር ዝብል ዝኽተሎ ኣንፈት፣መንቀሊ ስደት ኮይኑ ከምዘሎ‘ውን እቲ ትካል ይጠቅስ።

ሓይልታት ኤርትራ፣ስደት መናእሰይ ንምግታእ ኢሎም ኣድላዪ‘ውን እንተኾይኑ ተኲሶም ብምቅታል ንክቆፃፀሩ ዝፈተንሉ ጊዜ ነይሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝላኣኽ ገንዘብን ዘንበሮ ክልተ ሚእታዊ ግብሪን ቁጠባዊ ረብሓ ከምዘኽሰቦ ተረዲኡ።ግን ይብል ሓላፊ ICG ጨንፈር ቀንዲ ኣፍሪቃ ዶ/ር ባርንስ ካልእ ሳዕቤን ኣለዎ።

ሙሉእ ሪፖርት ተቀሪቡ‘ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:00 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG