ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዝተራእየ ዘይምርግጋእ ነባሪ ፍታሕ ዕርቐ ሰላም ከምዘድልይ ገሊጹ


ጉባኤ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ኢትዮጵያ
ጉባኤ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ብነባሪ ፍታሕ ክህልዎ ዕርቀ ሰላም ከምዘድሊ ጉባኤ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉባኤ ሃይማኖታዊ ትካላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሕቡራት መንግስታት ሎሚ ሶሉስ'ዩ ተጀሚሩ።

ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ን97 ሚእታዊት ዝውክሉ ተወከልቲ ሸውዓተ ቀንዲ ሃይማኖታት ኢትዮጵያ ዝተሳተፍሉ ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሃይማኖታዊ ትካላት ኣብታ ሃገር ንኣዋርሕ ዝቀጸለ ዘይምርግጋእ ደው ንምባል ክሰርሕ ከምዝፀንሐ ይገልፅ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኩነታት ምርግጉኡን ናብ ንቡር ሰላም ይምለስ ከምዘሎን ኣብ ምግላፅ ይርከብ።ትካል ሃይማኖታዊ ትካላት ኣብዚ ናይ ሎሚ ጉባኤ ቀንዲ ሸቶኡ ዕርቀ ሰላም ምርግጋፅ ክኸውን ኣለዎ ይብል።

ላዕለዋይ ሓላዊ እቲ ጉባኤ ሊቀጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ማቲያስ ሕውነታዊ ልዝብ ምክያድ ከምዘድሊ ገሊጾም ከምዚ ኢሎም።

ላዕለዋይ ሓላዊ እቲ ጉባኤ ሊቀጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ማቲያስ
ላዕለዋይ ሓላዊ እቲ ጉባኤ ሊቀጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ማቲያስ

“መንግስቲ ብዘቐመጦ ሕጋዊ ኣሰራርሓ እቲ ፀገም ንግዚኡ ዝሃድአ እንተመሰለ እውን ኩሉ ቅሬትኡ ብምሕዳግ ናብ ፍፁማዊ ምርድዳእ ክበፅሕ፣ትሕጃ ዘለዎም ወገናት ብዝሰኸነን ብሕውነታዊ መንፈስን ብምልዛብ፣ከምዚ ዝበለ ንሓድነት ሃገር ዝፈታተን ጎዳኢ ተግባር ንከይድገም ብሃገራዊን ሕውነታውን መንፈስ ዝፈትሕሉ፣ ንሓዋሩ እውን ዜጋታት ከይፅገሙን ከይጉድኡን ስራሓት ዕርቀ ሰላም ክስራሕ ኣለዎ። “

ኣብቲ ጉባኤ ናይ ኢትዮጵያ ወንጌላዊት መካነ እየሱስ ቤተ ክርስቲያን ፕሬዝዳንት ቀሺ ዋቅ ስዩም ኢዶሳ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለው።

ፕሬዝዳንት ጠቕላሊ ጉዳያት ሃይማኖት እስልምና ኢትዮጵያ ሸኽ ማሕሙድ ኣሚን ጀማል እውን ኣብ ማሕበራዊ ርክብ ደቂ ሰባት ናይ ሓሳብ ኣፈላላያትን ናይ ሓሳብ ግጭታትን ትፅቢት ዝግበረሉን ተፈጥሮኣዊ ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ ግን እቲ ኣፈላላይን ግጭትን ከመይ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል እዩ ኢሎም።ብልዝብ፣ብዝሰኸ፣ብስልጡኑን ኣገባብ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሎም።

ጋሻ እቲ ጉባኤ ዝኾኑ ሚኒስትር ጉዳያት ፌደራልን ናይ እንስሳት ኣርባሕትን ኣቶ ካሳ ተኽለብርሃን ብዘርኢ፣ ብሃይማኖትን፣ ብሰንኪ ሰናይ ምሕደራን ግጭት ከይልዓል ብሰላማዊ፣ ብባህላዊን፣ ሃይማኖታውን ብፖለቲካውን መንገድታት ዕርቂ ብምርግጋፅ እቲ ህዝቢ ናብ ሓደ ብምምፃእ ንህንፀት ሃገር ክሰርሑ ምግባር ዝብል ናይቶም ሃይማኖታዊ መራሕቲ ሓሳብ ትኽክለኛን ግብኡን እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ኩሎም ሃይማኖታትን መላእ ሃገርን ዝመፁ ልዕሊ 400 ተሳተፍቲ ከምዝርከቡ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG