ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ዓለምለኸ ዕዮ፡ ሸቕሊ ቆልዑ ከብቅዕ ይጽውዕ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ዓለምለኸ ዕዮ (International Labor Organization)፡ “ማሕበራዊ ፍትሒ ንምብቃዕ ምዝመዛ ስራሕ ቆልዑ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዝዘከሮ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ሰራሕተኛታት፡ ንቖልዑ ኣብ ጉልበታዊ ስራሕ ምጽማድ ከብቅዕ ጸዊዑ። ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተቓንዐ ዋዕላ፡ ሸቕሊ ህጻናት ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን 1 ካብ 10 ሰራሕተኛታት ትሕቲ ዕድመ ህጻን ምዃኑ ዋና ዳይረክተር እቲ ትካል ኣብቲ ኣጋጣሚ ጠቒሱ።

ሸቕሊ ቆልዑ ኣብ ፈለማ 2000 ጽቡቕ ተስፋ ምንቍልቋል እኳ ተራእዩዎ እንተ ነበረ፡ ምስ ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ19 ግን እቲ ኣሰካፊ ተርእዮ እናዓበየ ምምጻኡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሱ።

ትካል ዓለምለኸ ዕዮ፡ ሃገራት ምስ መትከላትን ሕጋጋትን እቲ ትካል ብዝሳነ ሃገራዊ ሕግታተን ምስ ዘርቅቓን ንምትግባሩ ድማ ደቂቕ ክትትል ምስ ዝገብራን፡ ኣብ ምቕናስ ሸቕሊ ቆልዑ ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል እቲ ናይ ትማሊ ዋዕላ ኣመልኪቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG