ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መጠይቅ: ኣብ ምርምር ሕርሻ ተገልግል መትሓዚ ሓሳኹ ዝምሃዘ መንእሰይ


ኣብ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ተማሃራይ ሓሙሻይ ምህንድስና ሕርሻ ዝኾነ መንእሰይ ፍጹም ሃብተኣብ ንሕርሻዊ ንጥፈታት እተገልግል ናይ 1.5 ሜተር ንውሓት ዘለዋ መትሓዚ ሓሳኹ ምሂዙ።

“ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዛ ምህዞ፡ ኣብ ሓደ ናይ ሕርሻ ቦታ ንዝረኣዩ ሓደስትን ፍሉያትን ጎዳእቲ ሓሳኹ ብምሓዝ ዝፋረይሉ ኩነታት ረስንን ከባብያዊ ጠልን ንምጽናዕ ንምምርማርን’ዩ “ይብል።

ንሱ ነዛ መትሓዚት ሓሳኹ፤ናይ መኪና ባተሪ፡ሶላር ፓነል፡ፕላስቲክ ሻንኬሎን ሸሓኒን፡ጻዕዳ ኣምፑል፡ረስንን ጠልን ዘለሊ ሴንሰርን ተጠቂሙ ከምዝሰርሓን ከከም ምንዋሕን ምሕጻርን ናይቲ ተኽሊ ከኣ ብዝተፈላለየ ዓቐን(ንውሓት)ተሰሪሓ ኣገልግሎት ከምትህብን ኣብሪሁ።

ኣብ ናይ መዘናግዒ ቦታታት ንሓሳኹን ሃመማን መትሓዚ ዝጥቀሙሉ ብኤለትሪክ ዝሰርሕ መትሓዚ ሕማቕ ጨና ብምፍጣር ብከላ ዘስዕብ ከምዝኾነ ፡እዛ መሳርሒት ግን ብዘይ ብከላ ሓሳኹ ክትቀትል ትኽእል ብምኻና ዝያዳ ተመራጺት ከምዝኾነት ተማሃራይ ፍጹም ሃብተ ኣረዲኡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG