ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢንዶኖዥያ ብዘጋጠመ እሳተ ጎመራ ሬሳ 11 ሓኾርቲ ምርካቦም ተገሊጹ


ኣብ ኢንዶኖዥያ ምዕራብ ሱማትራ ዝነቶገ እሳተ ጎመራ ስዒቡ ሎሚ ሰኑይ 4 ታሕሳስ 2023 ናይ 11 ሓኾርቲ ሬሳ ምርካቦም ሰበስልጣን'ታ ሃገር ገሊፆም። ሃለዋቶም ናይ ዘይተፈልጠ ካልኦት 12 ንምርካብ ዝካየድ ፍተሻ ብሰንኪ ስኽፍታ ድሕነት ጠጠው ክብል ተገይሩ ኣሎ።

ናይቲ ጉጅለ ድሕነት ወሃቢ ቃል ብህይወት ዝተረፉ ሰለስተ ሰባት ሎሚ ሰኑይ ተረኺቦም ኣለው ኢሉ። እቲ ምንቷግ እሳተ ጎመራ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ ኣብቲ ከባቢ 75 ሰባት ነይሮም።

እቲ ፍንጀራ ናብ ሰማይ ክሳብ ሰለስተ ኪሎ ሜትር ይውንጨፍ ነይሩ። ደሴት ሱማትራ እሳተ ጎመራ ብተደጋጋሚ ካብ ዘጋጥሞም ከባቢታት ሓደ ክኸውን ከሎ ኣብ 1979 ዘጋጠመ ፍንጀራ ን 60 ሰባት ብምቕታሉ እቲ ዝኸፍአ ምንባሩ ይዝከር።

ኢንዶኖዥያ ኣብ ፓሲፊክ ኣብ ዝርከብ "ቐለበት ሓዊ’’ ዝብሃል ከባቢ እትርከብ 127 ንጡፍ እሳተ ጎመራ ዝርከበላ ሃገር እያ።


ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG