ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢንዶኖዥያ፡ ኣብ እምባታት ባሊ ብዘሎ ተኽእሎ እሳተ ጎመራ 50,000 ሰባት ካብቲ ከባቢ ምግዓዞም ተሓቢሩ


ኣብ ኢንዶኖዥያ እምባታት ባሊ ልዑል ተኽእሎ ምጥፋእ እሳረ ጎመራ ብምህላው ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ 50,000 ሰባት ካብቲ ቦታ ምግዓዞም ተሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ወሃቢ ቃል ናይ እዋን ሓደጋ ኤጄንሲ እታ ሃገር ካብቲ ከባቢ ዝገዓዙ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ደሴት ምዕቋቦምን ገለ’ውን ናብ ካልእ ደሴታት ምዕቋቦም ሓቢሮም።

ቁጽሪ ካብቲ ቦታ ዝግዕዙ ሰባት ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ምውሳኹ ዝተገልጸ ኽከውን ከሎ እቲ እምባ ኣብ 50 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ እሳተ ጎመራ ክተፍእ ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ይግምቱ።

ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ከባቢ እቲ እምባ ንዝንቀሳቀሱ በጻሕቲ ሃገር ኣብ 12 ኪ.ሜ ርሕቐት እቲ እምባ ከይንቀሳቀሱ ዝዓዘዙ ኽኮኑ ከለው እቲ እምባ ኣብ 1963 -1964 ዓ.ም ብዝተፍኦ እሳተ ጎመራ ኣስታት 1,100 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምቁሳሎም ይዝኸር።

XS
SM
MD
LG