ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ እሳተ ጎመራ በረራ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንዶኖዥያ ናብ ንቡር ስራሑ ተመሊሱ


ብሰንኪ ምትፋእ እሳተ ጎመራ በረራ አቋሪጹ ዝጸንሓ መዓርፎ ነበርቲ ኢንዶኖዥያ ሎሚ ረቡዕ ናብ ንቡር ስራሑ ተመሊሱ።

እቶም ንዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ካብ ጉዕዞኦም ተዓናቒፎም ዝጸንሑ ገያሾ’ውን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንዶኖዥያ ብብዝሒ ክኣትው ተራእዮም እዮም።

ሰበ ስልጣን እታ ሃገር እምባ ኣጉንግ ብዝጸንሖ ታሪኽ ሕጂ’ውን ኣስጋኢ ምኳኑ ብምሕባር ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ኣዚዞም ኣለው።

ብሰንኪ እሳተ ጎመራ በረራ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንዶኖዥያ ናብ ንቡር ስራሑ ተመሊሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:46 0:00

ይኹን ደአ እምበር ገለ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ግዝያዊ መጽለሊ ብምድላው ኣብቲ ቦታ ሰፊሮም ከምዘለው’ን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ኢንዶኖዥያ ዝርከብ ኣምባ ኣጉንግ መወዳእታ ኣብ 1963 ዓ.ም እሳተ ጎመራ ኣብ ዝተፍኣሉ ጊዜ ኣስታት 1,000 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG