ኣብ ህንዲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣስታት 18 ሚልዮን ሓደስቲ መረጽቲ ተመዝጊቦም ኣለው። መብዛሕትኦም ተመሃሮ ኮለጅን ዩኒቨርስቲን ኰይኖም፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኔራንድራ ሞዲ ዝድግፉ’ዮም። ተስፋኦም ግን ዝያዳ ሓደስቲ ስራሕ ኣብ ምፍጣር’ዩ።
ንቐዳማይ ዲግሪ እትመሃር ዘላ ፓቭኒ ሚሽራ፡ እቲ ኣብ ሃገራ ዝካየድ ዘሎ ምርጫን ጎስጓስን ከምቲ ተስፋ ዝገበረትሉ ኣይኰነን።
“ኣብ ክንዲ ኣብ ሃይማኖት ዘተኵሩ፡ ርሑን ኣሳታፊን ክትዓት ካብ ፖለቲካውያን መራሕቲና ንጽበ። ብዛዕባ ትምህርቲ፡ ምፍጣር ስራሕ፡ ምሕያል ደቀንስትዮን ክኸውን ምደለኹ። ካብኡ ንላዕሊ ድማ ብቴክኖሎጂ ኣብ ዝሕገዙ ሓደስቲ ፈጠርቲ ስራሕ ክዓቢ እደሊ።”
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝነበረ ጎስጓስ ምርጫ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኔረንድራ ሞዲ፡ ቀንዲ መወዳድርቱ ዝዀነ ሰልፊ ኮንግረስ፡ “ዕድላትን ንኣመንቲ እስልምና ክህቡ ይፍትኑ ኣለዉ፡” ክብል ከሲሱ ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ 1 ሰነ 2024 ዝካየድ ምርጫ፡ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ሂንዱ ዓቢ መጎስጐሲ ነጥቢ’ዩ።
ኣብዚ ምርጫ እቶም ቀንዲ ተወዳደርቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲን ነቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ኮንግረስን ካልእ ልፍንቲን ዝመርሕ ዘሎ ራውል ጋንዲን’ዮም።
ንኸም በዓል ኣማልደቭ ከይ ዝኣመሰሉ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ደልሂ፡ ኣብ መንጎ’ቶም መራሕቲ፡ ንሃይማኖት ማእከል ዝገበረ ዓቢ ጎስጓስ ክካየድ ኣይወሓጠሎምን’ዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ዘይጭበጥ ኣርእስቲ ምዝራብ፡ ኣብቲ ብቐጥታ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝጸሉ ነዛ ሃገር ምምዕባል ኣተኲሮም ክዛረቡ ከም ዝደልዮም ድማ ይገልጽ።
ቀንዲ ኣተኵሮን ድሌትን መብዛሕትኦም ተመሃሮ መረጽቲ ስራሕ ምርካብ’ዩ። ሓደ ካብኣቶም ሽረያስ ሱድ’ዩ።
“እቲ ንዓይ ዘገድሰኒን ክኸውን ኣለዎ ዝብሎን ፍትሓዊ መንግስቲ ምቛም’ዩ። ንሱ ድማ ንዅላቶም ዜጋታት እዛ ሃገር ብማዕረ ዝግደስን ዕድላት ስራሕ ክፈጥር ዝኽእልን ክኸውን እደልዮ።”
እዞም ተመሃሮ ንተኽእሎታት ስራሕ ኣመልኪቶም ስፍክታኦም ከካፍሉ ንቡር ይመስል። ኣብ መንጎ ምሩቓት ዩኒቨርስቲ ኣስታት 30% ስራሕ ከም ዘይረኽቡ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ይሕብር። እዚ ድማ ካብቶም ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቶም ዘይወድኡ ብ9 ግዜ ዝዓቢ’ዩ።
እዚ ኰይኑ ግን ሓያሎ ካብኣቶም ንቐዳማይ ሚኒስተር ሞዲ ከም ዝድግፉ’ዮም ዝገልጹ። ምስሊ ህንዲ ኣብ ደገ ንኽመሓየሽ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ’ዩ ድማ ይብሉ። ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርስቲ ደልሂ እተምሃር ዘላ ፕረርና፡ ኣብ ምምሕዳር ሞዲ ምሉእ እምነት ከም ዘለዋ ትሕብር። ሽረያስ ሱድ’ውን ብግደኡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲ፡ ንህንዲ ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታኣ ንኽትሕዝ ኣኽኢሉዋ’ዩ ዝብል ምጕት ኣለዎ።
ንገሊኣቶም ግን ንሞዲ ዘምርጾም ዘሎ ስእነት ካልእ ዝበለጸ ተወዳዳሪ’ዩ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ሰልፊ BJP ናይ ሞዲ ነታ ንፖለቲካ ህንዲ ንነዊሕ እዋን ዓብሊላ ዝነበረት ሰልፊ ኮንግረስ ህቡብነታ ኣልዩዎ’ዩ። ንሱ ዝፈጥሮ ድማ እቲ እንኮ ፖለቲካዊ ገጽ ህንዲ ሞዲ ክኸውን ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ንኣብነት ሳትቪካ ሻርማ፡ ንሞዲ ዝመርጸሉ ምኽንያት ህቡብ ገጽን ጽቡቕ ምስሊ እታ ሃገር ዝፈጥርን ብምዃኑ ይሕብር።
እዚ እናዀነ ግን ምምሕዳር ሞዲ ፈጢሩዎ ዘሎ ጋግ ግን ማዕረኡ’ዩ የሻቕል።
ተመሃራይ ዩኒቨርስቲ ደልሂ ሳትቪክ ሻርማ “እዛ ሃገርን መንእሰያታን ሕሉፋት ሃይማኖታውያን ኣኽረርቲ እናዀኑ ይመጽኡ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ኵሉ ሃይማኖታት ምዃኑ’ዩ። ከም ምርጫይ ሓደ ሊበራላዊ መንግስቲ ማዕረኡ ድማ ሊበራላዊ መንእሰይን ክኸውን ምደለኹዎ። ንዓይ ዝያዳ ዘገድሰኒ ህልውና ሃገር እምበር ልዕልና እምነት ኣይኰነን። ሃይማኖት ልዕሊ ኵሉ ክርአ ድማ ኣይድግፎን።”
ህቡብነት ሞዲን ሓያል ሰዓቢ ዘለዎ ንኣመንቲ ሂንዱ ብቐንዱ ዝዕልምን ሰልፊ BJP ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ዝለዓለ ኢድ ክህሉዎ ትጽቢት ይገብር።
ቅጥዒ