ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር 300 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ህንዲ ብዓርቢ 2 ሰነ 2023 ካብ ከተማ ካልካታ 220 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ኣብ መንጎ ሰለስተ ባቡራት ብዘጋጠመ ሓደጋ 300 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 1,000 ሰባት ድማ ቆሲሎም።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ሓንቲ ባቡር ብኤሌክትሮኒካዊ ጌጋ ኣብ ዝተጋገየ መገዲ ባቡር ትጉዓዝ ብምንባራ እቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ህንዲ ብሰንኪ ምእራግ መሰረተ ልምዓትን መገዲ ባቡርን ተደጋጋሚ ሓደጋታት የጋጥም። ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 12 ሚሊዮን ሰባት ብባቡር ይጉዓዙ።

እቲ መገዲ ባቡራት ሎሚ ሰኑይ ናብ ንቡር ስራሑ ከምዝተመልሰ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG