ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ 36 ነፈርቲ ውግእ ካብ ፈረንሳይ ንምዕዳግ ክልቲአን ሃገራት ተፈራሪመን


ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ዓለም እታ ዝዓበየት ሸማቲት ኣፅዋር ኮይና ዝወፀት ህንዲ 36 ናይ ውግእ ጀት ብ8.7 ቢሊዮን ዶላር ካብ ፈረንሳይ ንምዕዳግ ምስ ፈረንሳይ ተሰማሚዐን።

ልዑል ቴንኮሎጂ ዝተዓጠቓ ራፋል ጀት ብምዕራብ ፓኪስታን ብሰሜንን ምብራቕን ድማ ብቻይና ብኽልተ ተነሓናሕቲ ዝተኸበት ህንዲ ሓይሊ ኣየራ ዘመናዊ ዝገብር እዩ።

ምንስቴር ምክልኻል ህንዲ ማኖሃር ፓሪካን ናይ ፈረንሳይ መዘንኦም ዢን ይቨስ ሊ ድሪያን ኣብ ኒው ደልሂ ሎማዕንቲ ዓርቢ ተፈራሪሞም ኣለው።

XS
SM
MD
LG