ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ ኣብ ሓደ ማዕልቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ልዕሊ 86 ሽሕ መዝጊባ


ህንዲ ሎማዕንቲ ቀዳም ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሓደሽቲ 86,432 ሰባት ብምምዝጋብ ኣብታ ሃገር ጠቕላላ በዝሒ ዝተለኽፉ 4,023,179 ምብፅሖም ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ኣፍሊጡ።

ዩናይትድ ስቴትስን ብራዚልን ጥራሕ እየ ኣብ ዓለም ቅድሚኣ ተሰሪዐን ዘለዋ።

ዩናይትድ ስቴት 6,202,080 ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ክትኸውን ከላ ብራዚል ድማ 4,091,101 ብምምዝጋብ ካልአይቲ እያ ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ገለ ከባቢታት ሜክሲኮ ብዘውረዶ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ናይቶም ከባቢታት ኣካላት መንግስቲ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ክሳብ ምፅንቃቕ በፂሖም ኣለው።

ሜክሲኮ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ 66,561 መዝጊባ ኣላ።

ዩናይትድ ስቴስስ ብኮቪድ ዝሞቱ 187,768 ብራዚል 125,502 ህንዲ 69,561 መዝጊበን ኣለዋ ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ።

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ መክሲኮ 1,320 ሰራሕተኛታት ጥዕና ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ምማቶምን እዚ ድማ ካብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ምዃኑን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙንገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ሓደ እዋን ዘብቅዐ ይመስል ዝነበረ ኣብ ደቡብ ኮሪያ በዝሒ ይትሓዙ ዘለው ምቅልቓሉ ቀፂሉ ኣሎ። ሰበስልጣን ከምዝበሉዎ ሎማዕንቲ ቀዳም ካብ ዝተመዝገቡ ሓደሽቲ 168 እቶም 115 ካብ ሱል ሜትሮፖሊታን እዮም።

XS
SM
MD
LG