ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ ሕዚ እውን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዘልዓለ ትጥቃዕ ኣላ


ምንስቴር ጥዕና ህንዲ ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ስዓታት በዝሒ ብኮቪድ 19 ዝተትሓዙ 259,591 ምምዝጋቦም ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣፍሊጡ።በዝሒ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 4,000 ተመዝጊቦም ኣለው።

ጆንስ ሃፕኪን ዩኒቨርስቲ ኣብ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ካብ ዝተመዝገቡ 165.5 ሚሊዮን ሰባት ህንዲ 26 ሚሊዮን መዝጊባ ኣላ። ቅድሚት ትስራዕ ልዕሊ 33 ሚሊየን ዝመዝገበት ኣሜሪካ ጥራሕ እያ።

ብኻሊእ ወገን ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን ንምንስትራት ጥዕና commonwealth ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ‘’ክታበት ንምርካብ ዘሎ ዘሰንብድ ዓለምለኸ ኣፈላላይ ነቲ ለበዳ ከብቅዕ ዝዓበየ ሓደጋ እዩ’’ኢሎም።

XS
SM
MD
LG