ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ኒው-ደልሂ ንምስትንፋስ ይጽገሙ


ኒው-ደልሂ -ፋይል
ኒው-ደልሂ -ፋይል

ርእሰ-ከተማ ህንዲ ዝዀነት ኒው-ደልሂ ብጸሊም ደበና ድሕሪ ምሽፋና ሎሚ ሰኑይ ነበርታ ንምትንፋስ ተጸጊሞም ውዒሎም ኣለዉ። ንኩነታት ብክላ ዘጽንዕ ትካል፡ ኣየር ኒው-ደልሂን ከባቢኣን ኣዝዩ ኣሰካፊ ምህላዉ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ነበርቲ ብስሓ ዓይኒን ስእነት ምትንፋስን ከም ዝተጸገሙ ይገልጹ። መንግስቲ ኣብ ምጕዳል ብከላ ኣየር መሪሕ ተራ ክጻወትን ህጹጽ ስጕምቲ ንኽወስድን ድማ ይጽውዑ።

ሚኒስተር ኣካባቢ ኒው-ደልሂ ነቲ ዘሎ ብከላ ንምጕዳል፡ ሰራሕተኛታት ነበርቲ ኣከባቢ ኣብ ክንዲ ናይ ውልቂ መካይን ምጥቃም ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀሙ ኣዘኻኺሩ ኣሎ። መንግስቲ ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ መካይንን ኣውቶቡሳትን ኣብ ምስፋሕ ይሰርሕ ምህላዉ ድማ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብታ ልዕሊ 20 ሚልዮን ህዝቢ ዝነበራ ርእሰ-ከተማ ህንዲ፡ ብሰንኪ ብኵል ኣየር፡ ኣብ ጥዕና ነበርቲ ተደጋጋሚ ጸገም ከኸትል ምጽናሑ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG