ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ህንዲ ብኮቪድ 19 ዝተትሓዙ ካብቲ ዝተገልፀ ዓሰርተ ዕፅፊ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ


1.3 ቢሊዮን ህዝቢ ኣብ እትውንን ህንዲ በዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 6.2 ሚሊዮን ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።ሰበስልጣን ሃገራዊ ጥዕና ዘካየዱዎ ሓዱሽ መፅናዕቲ ግን እቲ ሓቃዊ ኣሃዝ ካብቲ ዝተጠቕሰ ዓሰርተ ዕፅፊ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር።

ቤት ምኽሪ ምርምር ሕክምና ህንዲ ትማሊ ሰሉስ ከምዝሓበሮ ካብ 10 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም 15 ሰባት እቲ ሓደ ቫይረስ ዝከላኸሉ ታህዋሲያን Antibodies ተረኺቡዎም ኣሎ።ኣብ ነብሶም Antibodies ኣለዎም ማለት ቅድም ክብል በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ምንባሮም ዝሕብር እዩ።እቲ መፅናዕቲ ኣብ ልዕሊ 29 ሽሕ ሰባት ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ህንዲ 97,000 ኣብ ብራዚል 142,000 ኣብ ዩናይትድ ስቴት ስ ድማ 205.000ሰባት ሓዊሱ ኮቪድ 19 ኣብ ዙሪያ ዓለም ንልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዙሪያ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 33 ሚሊዮንን 700,000ን ሰባት ተምዝጊቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG