ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓረስቶት ህንዲ ንዋጋ እኽሎም ንምሕጋዝ ዝጠልብ ኣኼባ የካይዱ


ኣማኢት ሓረስቶት ህንዲ ንዋጋ እኽሎም ንምሕጋዝ ኣብ ዝጠልብ ኣኼባ ንምስታፍ ናብ ኒው ደልሂ ይውሕዙ`ለዉ።

እቲ ኣኼባ በቲ ዝዓበየ ናይ ህንዲ ማሕበር ሰራሕተኛ ዝኾነ ሳንዩክት ኪሳን ሞርቻ ዝተጸውዐ`ዩ።

ፖሊስ ደልሂ መንገድታት ብምዕጻው ምጭንናቕ ትራፊክ ከይስዕብ ኣጠንቂቑ`ሎ።

ዝሓለፈ ወርሒ እቶም ሓረስቶት ዋጋ እኽሎም ዘረጋግጽ መምርሒ ክወጽእ ንምሕታት ናብ ኒው -ደልሂ ኣብ ዝመረሽሉ እዋን፡ ብዘንብዕ ጋዝን ማይን ከም ዝዕገቱ ተገይሩ ኔሩ`ዩ።

ኣብቲ ግጭት ሓደ ካብ ሰልፈኛታት ከምዝሞተን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝቖሰሉን ተሓቢሩ ኔሩ`ዩ።

እዚ ተቓውሞታት ዝስማዕ ዘሎ ኣብታ ሃገር ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን`ዩ። ቀዳማይ ሚንስተር ናረንድራ ሞዲ ዘይልሙድ ንሳልሳይ ግዚኡ ክምረጽ ይደሊ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG