ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓረስቶት ህንዲ ብመንግስቲ ዝቐረበ እማመ ነጺጎም፡ ኣድማ ይቕጽሉ


 ኣድማሓረስቶት ህንዲ - ፋይል
ኣድማሓረስቶት ህንዲ - ፋይል

ንርእሰ-ከተማ ኒው-ደልሂ ኣብ ዘዳውብ ወሰናስን ብምስፋር ኣድማ ዝገበሩ ዘለዉ ሓረስቶት ህንዲ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ንድፊ ዕዳጋ ነጺጎም፡ ኣድማ ክቕጽሉ ወሲኖም።

መንግስቲ፡ ነቶም ሓረስቶት ንሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ንዝተወሰነ ፍርያት ከም መሸላ፡ ጡጥን ዕፉንን ክገዝኣሎምን ውሕስነት ክህቦምን ተሰማሚዑ ነይሩ። ነቲ ኣድማ ዝመርሑ ዘለዉ ግን ኣብ ዝተወሰነ ፍርያት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኵሉ ዓይነት ፍረታትን ኣዝርእቲን ውሕስነት ከም ዝደልዩ ይጠልቡ። ንሱ ምስ ዘይትግበር ድማ ንውሽጢ ኒው-ደልሂ ክምርሹ ምዃኖም የጠንቅቑ ኣለዉ።

ናብ ርእሰ-ከተማ ኒው-ደልሂ ዝቐንዐ ምረሻ ሓረስቶት ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ኰይኑ ቀንዲ ካብተን መሶብ ህንዲ ተባሂለን ዝፍለጣ ፑንጃብን ሃርያናን ዝነቐለ’ዩ።

ብዘይካ ውሕስነት ዕዳጋ፡ እቶም ሓረስቶት መንግስቲ መግዝኢ ዋጋ ዕጽፊ ክገብር፡ ንሓረስቶት ጥሮታ ክጅምርን ኣብ ጉዳይ ልቓሕ ምትዕርራይ ክግበርን ይጠልቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG