ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ ዘጋጠመ ጎንጺ ነገዳት ሞትን ምዝንባልን የስዕብ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ ኣብ መንጎ ነገዳት ብዝተፈጥረ ጎንጺ ኣስታት 23-ሽሕ ሰባት መንበሪኦም ራሕሪሖም ከም ዝሃደሙን ብዉሑዱ 54 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሰራዊት’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ማኑፑር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ጉጅለ ነገድ ተቃውሞ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ ኣባይቲን መኻይንን ምንዳድ ዝሓወሰ ጎንፂ ምልዓሉን ሰበ ስልጣን ኸኣ ነቲ ተቃውሞ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶምን ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብታ ምስ ማይንማር ትዳወብ ክፍለ ግዝኣት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ወታሃደራት ከምዝተዋፈሩን ኣብ ኣዝዩ ፅንኩር ኩነታት ተኹስካ ምቅታል ዝሓወሰ ትእዛዝ ምውሃቡን ሰዓታት እቶ እቶ ምእዋጁን ኣገልግሎት ኢንተርነት'ውን ምቁራጹን ተገሊፁ’ሎ።

ሰሜናዊ ህንዲ ዝያዳ ርእሰ ምሕደራ ብዝሓቱ ነገዳትን ክፍለዩ ብዝደልዩ ጉጅለታትን ንዓሰርተታት ዓመታት ሰላም የብሉን። ካብ 1950ታት ንነጀው በዚ ዘይምርግጋእ ኣስታት 50-ሽሕ ሰባት ተቀቲሎም’ለዉ።

XS
SM
MD
LG