ዋሽንግተን —
ራብዓይ ዙር ሃገራዊ ምርጫ ህንዲ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኔረንድራ ሞዲ ንሳልሳይ እብረ ስልጣን’ዩ ዘቋምት ዘሎ። እንተዀነ ንቐንዲ መወዳድርቱ ፓርቲ ኮንግረስ ሓዊሱ፡ ልዕሊ 20 ተቓወምቲ ወገናት ልፍንታዊ ኣሃዱ ኣቚሞም ኣንጻር’ቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ BJP ይወዳደሩ ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚንስተር ሞዲ፡ ፓርቲ ኮንግረስ፡ ሃብቲ ካብ ኣመንቲ ሂንዱ ወሲዱ ናብ ኣመንቲ እስልምና ከባጽሖ’ዩ ዝደሊ ክብል ይጉስጉስ ኣሎ። ተሪር ናይ ኣመንቲ ሂንዱ ተኸተልቲ ዘለዎ፡ ብሞዲ ዝምራሕ ሰልፊ BJP፡ ኣንጻር ተኸተልቲ እምነት እስልምና ብዘለዎ መርገጺ’ዩ ዝያዳ ይልለ።
ሞዲ ንኣመንቲ እስልምና “ቆልዑ ብምብዛሕ” ክዕብልሉ ዝፍትኑን “ሰለዅቲ” ኢሉ ይጽውዖም። ኣብታ 1.4 ቢልዮን ተኸታትሊ እምነት ሂንዱ ዘለዋ ሃገር፡ ሰዓብቲ እስልምና ኣስታት 200 ሚልዮን’ዮም።
ኣብዚ ዝካይድ ዘሎ ምርጫ 177 ሚልዮን ዜጋታት ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ይገብር።
ቅጥዒ