ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ መንገዲ ባቡር ንምህናፅ ሰለስተ ሚእቲ ሚሊዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ከለቅሕ እየ ኢላ

ኣፍሪካ ናይ ልምዓት መሰረታት ብምዝርጋሕን ብምህናፅን ከባቢያዊ ውህደት ንምሱጛም ንዝተጀመረቶ ፃዕሪ ንምሕጋዝ እውን ሃገሮም ካብ እትወስዶም ስጉምትታት ሓደ ከም ኣብነት ከምዚ ይብሉ ’’ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምምኻር ኢትዮጵያን ጁቡቲን ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ባቡር ሃዲድ ንምዝርጋሕ ንዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ሰለስተ ሚእቲ ሚሊዮን ዶላር ንምሃብ ቃል ምእታውና ክገልፅ ከለኹ ብታሕጛስ እዩ።’’ይብሉ።

ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ኣፍሪካ ናይ ልሞዓት ሸቶታታ ንኽተዐውት ህንዲ ሓሙሽተ ቢሊዮን ዶላር ብልቓሕ ንምሃብ ቃል ኣትያ።ኢትዮጵያን ጁብትን ዝራኽብ ሓድሽ መንገዲ ባቡር ንምህናፅ’ውን ሰለስተ ሚእቲ ሚሊዮን ዶላር ከለቅሕ እየ ኢላ።

ሎማዕንቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ መድረኽ ካልኣይ ጉባኤ መራሕቲ ህንድን ኣፍሪካን እንትኽፈት ነይሩ ቀዳማይ ምንስቴር ህንዲ ዶ/ር ሞን-መሃን ሲንግ ነዚ ዝተዛረቡ።

ኣፍሪካ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ቀንዲ ዋልታ ምዕባለ ከም እትኸውን’ውን እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ህንዲ ሓቢሮም።እዚ ጭቡጥ ንምግባር ድማ ህንዲ ምስ ኣፍሪካ ሓቢራ ንምስራሕ ምዳልዋ እውን ገሊፆም ኣለው።

እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ምስታ ኣህጉር ተሓባቢርካ ንምስራሕ ይጠቑሙ እዮም ዝበሉዎም ገለ ስጉምትታት ንምውሳድ ዘርዚሮም።ብምቕፃል እንትገልፁ ‘’ምስ ሕብረት ኣፍሪካን መሓውራቱን ብምምኻር ሓደስቲ ናይ መሰልጠኒ ትካላት ንምጥያሽ ሸውዓተ ሚእቲ ሚሊዮን ዶላር ክንህብ ኢና።’’ኢሎም።

ኣፍሪካ ናይ ልምዓት መሰረታት ብምዝርጋሕን ብምህናፅን ከባቢያዊ ውህደት ንምሱጛም ንዝተጀመረቶ ፃዕሪ ንምሕጋዝ እውን ሃገሮም ካብ እትወስዶም ስጉምትታት ሓደ ከም ኣብነት ከምዚ ይብሉ ’’ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምምኻር ኢትዮጵያን ጁቡቲን ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ባቡር ሃዲድ ንምዝርጋሕ ንዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ሰለስተ ሚእቲ ሚሊዮን ዶላር ንምሃብ ቃል ምእታውና ክገልፅ ከለኹ ብታሕጛስ እዩ።’’ይብሉ።

ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዢያንግ ፒንግ ብወገኖም መድረኽ ምትሕብባር ህንድን ኣፍሪካን ክሳብ ሕዚ ዘመዝገቦ ዓወት ብምጥቓስ ንሓዋሩ እውን እቲ ምትሕብባር ኣብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ክቕፅል ከምዘለዎ ኣዘኽእኪሮም።

ፅባሕ ከምዝዛዘም ትፅቢት ዝግበረሉ እዚ ኣኼባ ፈላማይ ጉባኤኡ ዘካየደ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ 2008 ኣ/ፈ ኣብ ዋና ከተማ ህንዲ ደልሂ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG