ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ መስፍን ሓጎስ ብዛዕባ 24 ግንቦት መዓልቲ ናፅነት ኤርትራ ስምዒቱ ይገልፅ


ሕውስዋስ ስምዒት እዩ ዝፈጥረለይ ይብል

24 ግንቦት ሉኣላዊነት ሃገር ዝተረጋገፀላ ዕለት ስለዝኾነት ዕግበት ይስመዓኒ፣20 ዓመት ናይ ንድሕሪት ጉዕዞ ድማ ሓዘን ከምዝፈጠረሉ ይገልፅ ኣቶ መስፍን ሓጎስ።

ኣንፃር እቶም መቃልስትኻ ዝነበሩ ሎሚ ክትቃለስ ከለኻ እንታይ ይስማዓካ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ፣ኣንፃር እቶም ዝጠለሙ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኤርትራ ምህላወይ የሐጉሰኒ'ዩ ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምግልባጥ ሓድሽ ፖሊሲ ኣውፂኤ'ለኹ ምባሉ እንታይ ሪኢቶ ኣለካ ዝብል ሕቶ ዝቀረበሉ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፣ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግልፂ ኣይኮነን እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ባዕሉ ብቀጥታ ከምፅእ'የ ዝብል ዘይኮነስ ንተቃወምቲ ብምሕጋዝ ከምዝትግብሮ'የ ተረዲኤ ዘለኹ።ሓገዝ ካብ ዚመፀ ይምፃእ ብዘየግድስ ለውጢ ክነምፅእ'ዩ ዕላማና ይብል ኣቶ መስፍን ሓጎስ።

XS
SM
MD
LG