ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ ዝተሃነፀ ቤተ መዘክር ተመሪቑ


ጥንታዊ ቅርሲ ውቕሮ
ጥንታዊ ቅርሲ ውቕሮ

ኣብ ጀርመን ዝተጣየሰ ማሕበር ምጥንኻር ኣብያተ መዘክር ኢትዮጵያ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ምስ ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምትሕግጋዝ ኣብ ከተማ ውቕሮ ዝሃነጾ ቤተ መዘክር ተመሪቑ።

ነቲ ቤተ መዘክር መሪቖም ዝኸፈቱ ርእሰ ምምሕዳር ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ክኾኑ ከለው ሓድጊ ምዕቃብ ጥራሕ እኹል ኣይኰነን፤ኣብቲ እነካይዶ ዘለና ልምዓት ናይ ባዕሉ ግደ ከበርክት መንግስትን ህዝብን ክተሓጋገዙ የገንዝብ'ውን ኢሎም።

ህንፀት እቲ ቤተ መዘክር 7 ሚልዮን ወጻኢ ዝተገብረሉ ክኸውን ከሎ 60 ሚእታዊት ካብቲ ወጻኢ በቲ ገባሪ ሰናይ ትካል 40 ሚእታዊት ድማ ብምምሕዳር ትግራይ እዩ ምሽፋኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብቲ ቤተ መዘክር ካብ ሓውዜን እንዳ ማርያም ዓንዛ፣ ካብ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ወቓሪዳ ከምኡ እውን ካብ ከባቢ ውቕሮ ማሕበር ጋዕዋ ብመፅናዕቲ ዝተረኸቡ ሓድግታት ንዓውደ ርእይ ቀሪቦም ኣለዉ።

ብፍላይ እቲ ኣብ ማሕበር ጋዕዋ ብኢትዮጵያውያን ተመራመርቲ ዝተረኸበ ሓድጊ 3000 ዓመታት ከምዘቑፀረ ሓላፊ ክፍሊ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ዳዊት ሃይሉ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ከተማ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ ዝተሃነፀ ቤተ መዘክር ተመሪቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:53 0:00

XS
SM
MD
LG