ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ፕራምፕ መበል 45 ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ቃለ መሓላ ፈጺሞም


ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ካብ ሰዓታት ቅድሚ ቕትሪ ጀሚሮም ኣብ ዝተፈላለየ ጽንብል ቃለ መሓለ ድሕሪ ምርኻብ ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ በኣቆጻጽራ ዋሽንግተን ዲሲ መበል 45 ፕረዝደንት ኣሜሪካ ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሞም።

ፕረዝደንት ነበር ባራክ ኦባማ ድማ ኣብቲ ጽንብል ድሕሪ ምኽፋል ንህዝቢ ተፈንዮም።

ኣብቲ ጽንብል ዝተኻየደሉ ቦታ ዝተረኽበ ጋዜጠኛ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ተወልደ ወልደገብሬል ዘቕርቦ ሪፖርት፡ መደረ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ምኽትሎም ማይክ ፔንስ ኣብ መወዳእታ ድማ ንፕረዝደትነት ዶናልድ ትራምፕ ዝቓወሙ ወገናት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዋሽንግተን ዲሲ ዘካየድዎ ተቓውሞን ጽባሕ ዝኻየድ ዓብይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተቓውሞን ኣብዚ ናይ ሎሚ ፍሉይ ፈነወ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ተጠቃሊሉ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ’ዚ ፍሉይ ጸብጻብ ጽንብል ቃለ መሓለ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዶናልድ ፕራምፕ መበል 45 ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ቃለ መሓላ ፈጺሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:23:40 0:00

XS
SM
MD
LG