ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ዩናይትድ ስቴት ስ ብዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ በረኻ 35 ሰባት ተቐቲሎም


ሰሜናዊ ካሊፎርኒያ፣ኦሪገንን ዋሽንግተንን ሓዊሱ ፓስፊክ ሰሜን ምዕራብ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ክፋል ዩናይትድ ስቴትስ ዝተልዓለ ኣዕናዊ ባርሕ ሓዊ በረኻ ኣሽሓት ኣባይቲ፣ናይ ንግዲ ትካላትን ኣናእሽቱ ከተማታትን ኣዕኒዩ ኣሎ።ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሄክታር ዱር ብምዕናው እንተወሓደ ን35 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

ጡሽን ሃልሃልታን ናይቲ ባርዕ ተሓዋዊሶም ከተማታት ሳን ፍራንሲስኮ፣ሲያትልን ፖርትላንድን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ዝብሃል ብኽለት ፅርየት ኣየር ገጢሙወን ኣሎ።

ኣሶሼትድ ፕረስ ‘’እቲ ጡሽ ንኣየር ናይቲ ከባቢ ብጨና ሓፂን ዓዊዱዎ ኣሎ’’ ክትብል ንኩነታት ኣየር ናይቲ ከባቢ ገሊፃቶ ኣላ።

ሓያል ናይ ጡሽ ደበና ንጥዕና ሚሊዮናት ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ኣብ ስግኣት ኣውዲቑዎ ይርከብ።ኣብ ገሊኡ ከባቢ ካብ ፍርቂ ኪሎም ሜትር ዝርሓቐ ምርኣይ ስለዘይክኣል መኪና ንምዝዋር ሓደገኛ ይገብሮ ይብል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር እታ ሃገር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ዩናይትድ ስቴትስ በቢእዋኑ ብዘጋጥሞም ባርዕ ሓዊ ፕረዝዳንት ትራምፕ ኮኑ ካልኦት መራሕቲ ኣብከባቢያዊ ለውጢ ኣየር ክሰርሑ ኣመሓደርቲ እቲ ኸባቢ ፀዊዖም ።ፕሬዝዳንት ትራምፕ አብ ሳክራሜንቶ ካሊፎርኒያ ምስ ኣመሓደርቲ እታ ስቴት ሎሚ ክራኸቡ እዮም።

XS
SM
MD
LG