ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት አለው ክብል ሕ/ሃ ኣፍሊጡ


ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ንዘጋጥመን ደርቂ ንምምካት ተወሳኺ ወፍሪን ነዊሕ ዝጠመተ መደብ የድልይ ክብል ሕ/ሃ ጻዊዒት ኣቕሪቡ።

ሕቡራት ሃገራት ነዚ ዘፍለጠ ሓለፍቲ ሰለስተ ትካላት ኣብታ ን9.5 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ መግቢ ዘድልያ ኢትዮጵያ ዑደት ድሕሪ ምክያዶም እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማልያ ዝናብ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ብዘይምህራሙ ዝለዓለ ደረጃ ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላልዎ ከባቢ ኮይኑ አሎ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት አለው ክብል ሕ/ሃ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:26 0:00

ኣብዚ ክልል ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣስታት ክልተ ሚልዮን እንሰሳት ሞይቶም፡ እዚ ድማ ነቲ ብምርባሕ እንሰሳን ጉስነትን ዝናበር ህዝቢ እቲ ከባቢ ዓብይ ኪሳራ ምኳኑ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን (FAO) ይገልጽ።

ኣብቲ ቦታ ዝሓለፈ ሰሙን ዝበጽሑ ሓለፍቲ ሰለስተ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ንዘጋጥም ዘሎ ደርቂ ንምምካት ተወሳኺ ወፍሪን ነዊሕ ዝጠመተ መደብ ክዳለው ጻዊዒት ኣቕሪቦም።

ፕረዝደንት ትካል ዓለምለኸ ሓገዝ ምምዕባል ሕርሻ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጊልበርት ሁንግቦ ብዛዕባ ልቃሕን ቴክኒካላዊ ሓገዝ ንናይ ምዕባለ መደባት ኣብ ርሑቕ ገጠራት እዘን ሃገራት ብዝምልከት ከምዚ ኢሎም።

“ሓደ ነገር ርጉጽ እዩ። በዚ ነቲ ፕሮጀክት ንርእዮ ኣገባብ ክንቅጽል ኣይንኽእልን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰለስተ ኤጀንሲ ጥራይ አለዋ ግን እዚ ኣብ ምምዕባል ዘሎ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝተሓባበረሉ መንገዲ ክዳለው ይግባእ። ካብ ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝመጹ ወገናት ረኺብና ኢና ግን ከም ሓደ ሕብረተሰብ ዓለም ነቲ ግብረ መልሲ ዝዓብየሉ ኩነታት ከነዳለው አለና።”

እዞም ናብቲ ብደርቂ ዝተጠቕዓ ቦታታት ዝበጽሑ ሓለፍቲ ትካላት ኣብ መስኖ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ንናይ ገጠራት ትካላት፡ ንኣገልግሎት ጥዕናን ጥዕና እንሰሳትን ዝዓመሰለ ዓውድታት ወፍሪ ምክያድ ነበርቲ ገዛእ ርእሶምን ጥሪቶምን ካብ ደርቂ ንምኽልኻል የኽእሎም እዩ ይብሉ።

“ኣብዚ ቦታ ናይ ማይ ጸገም አሎ። እንሰሳት ይሳቐዩ አለው፡ እዚ ማለት ድማ ሰባት ይሳቐዩ አለው ማለት እዩ። ጥምየት ኣሎ፡ ዓለምለኸ ፕሮግራም መግቢ ንኣስታት 3.3 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ መግቢ ይህብ አሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘጋጠመ ደርቂ እዩ” ክብሉ ጠቅላሊ ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስሊነቲ ኩነታት ኣረዲኦም።

“ ህይወት ከነድሕን ኢና ንፍትን ዘለና፡ ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብ እንሰሳ ብምርባሕ ዝናበር እዩ ስለዚ እንሰሳት ከነድሕን አለና ምክንያቱ እንሰሳት ምስ ዘይህልዉ ጸባ ንቆልዑ የለን ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ ቆልዑ ክሳቀዩ ወይ ክሞቱ እዮም ማለት እዩ” ዝበሉ ድማ ዳይሬክተር ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ጆስ ግራዚያኒ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኤል ኒኖ ንምብራቓዊን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ብከቢድ ምጥቕዑ ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን እቲ ብዝተረኽበ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ቁጽሪ ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን 5.6 ሚልዮን ጥራይ እዩ ኔይሩ።

እንተኾነ ድሒሩ ብዝቀጸለ ሕጽረት ዝናብ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊን ምብራቓዊን ክፋል እታ ሃገር ነቲ ቁጽሪ ደለይቲ ሓገዝ ክውስኽ ደሪኽዎ’ዩ።

“ ፋጡማ ይበሃል። ጓል 25 ዓመት እየ ሽዱሽተ ቆልዑ አለዉኒ። በዓል ቤተይ ጓሳ እዩ። ኣብዚ ነዊሕ ዝጸንሓ ደርቂ ጥሪትና ስኢና ። 53 እንሰሳት ኔሮምኒ። ካብኦም 43 ሞይቶም ሕጂ 10 ጥራይ አለውኒ ነባሪ እዚ ከባቢ ድማ ተመሳሳሊ ተመክሮ እዩ ዘለው” ትብል።

ብመሰረት ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብ ኬንያ ዘለው 2.6 ሚልዮንን ኣብ ሶማል ዘለው 3.2 ሚልዮን ሓውሲኻ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስታት 17 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም።

XS
SM
MD
LG