ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ መዕቖቢ እናሃለው ተቐቲሎም ናይ ዝተብሃሉ 48 ሰባት ሬሳ ኣይተረኸበን' ክልል ዓፋር


ክልል ዓፋር
ክልል ዓፋር

ኣብ ክልል ዓፋር ካብ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ጋሊኮማ ኣዕቒቦም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ስቪላት ብዝወረደ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ካብ ዝተቐትሉ ልዕሊ 200 ሰባት ናይቶም ኣስታት 50 ዝኾኑ ኣስክሬን ክሳብ ሕዚ ከምዘይተረኸበ ናይ ዓፋር ክልላዊ መንግስቲ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣፍሊጡ።በቲ መጥቓዕቲ ዝተኸሰሰ ንርእሱ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢሉ ናይ ዝፅውዕ ሓይሊ ወሃቢ ቃል ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተፈፂሙ ዝተብሃል ሓደጋ ንምምርማር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክሰርሕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ከያሎ፣ከሎን ገታን ከባቢታት ዝተመዛበሉ 30,000 ሰባት ኣብ ዘዕቖቡሉ ማእኸል ጋሊኮማ ሰበስልጣን ክልል ዓፋር ህወሓት ኢሎም ዝፀውዕዎ ንባዕሎም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢሎም ዝፅውዑ ቅድሚ ሽዱሽተ ማዕልታት ለይቲ ፈፅቲሞምዎ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ከቢድ ብረት ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተቐተሉ ናይ ዓፋር ክልላዊ መንግስቲ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣይሻ የሱፍ ገሊፀን።

‘’ህዝብና ብከቢድ ፀገም እዩ እናሓለፈ ዝርከብ’’ዝበላ ኣይሻ የሱፍ እቲ ‘’ጁንታ’’ ኣብ መዕቖቢ ጋሊኮማ ንዝነበረ ህዝቢ እዩ ኣጥቒዑ ኢለን።’’ናይ 203 ሬስኦም ተረኺጉ ናይ 48 ሰባት ግን ኣይተረኸበን’’ኢለን ብምውሳኽ።

ህፃናት፣ደቂ ኣንስትዮን ዓበይትን ግዳያት ናይቲ መጥቓዕቲ ምዃኖም ገሊፀን ኣለዋ።ከቢድን ቀሊልን መጉዳእቲ ዝወረዶም ብርክት ዝበሉ ሕክምና ይከታተሉ ከምዘለው እውን ሓቢረን።

እቲ ወታደራዊ ግጭት ናብ ከባቢታት ጉሌና፣ኣውራን ጉባን ከምዝተጋፍሐ ናይቲ ክልል ምኽትል ኮሚሽነር ቤት ህንፀት መሓመድ ኣሕመድ ያሎ ገሊፆም ኣለው።

ኣብቲ መዕቖቢ ማእኸል ንዝርከቡ 30,000 ተመዛበልቲ ንምቕላብ ዝተቐመጠ ምግቢ ተቓፂሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ተመዛበልቲ ስነ ኣእሙራዊ በሰላት ወሪዱ፣ነፍሰ ፁር ኣዴታት ካብቲ ግጭት ንምህዳም ፈቐዶ መንገዲ ወሊደን ነቲ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ብዝተብሃሉ ንብረት ከምዝተወረረ እቶም ምኽትል ኮሚሽነር ገሊፆም።

ንርእሱ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢሉ ናይ ዝፅውዕ ሓይሊ ኣቐባሊ ቃል ዝኾኑ አቶ ጌታቸው ረዳ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ብፈፃሚ ዳይረክተር UNICEF ዝወፀ መግለፂ ኣማእቲ ሰባት ተቐቲሎም ዝብል መግለፂ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።ናይ ኣብይ ኣሕመድ ኢሎም ዝፀውዕዎም ሓይልታት ፌደራል 5 ሓምለ 2021 ኣ/ፈ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም ኣብ ጋሊኮማ መጥቓዕቲ ፈኒዮም ንድሕሪ የንሳሕብ ዝነበረ ሓይልታት መንግስቲ ረድኤት ንዝደልዮም ቀረባት ዝሓዘ ምሉእ መኽዘን ኣቃፂሎም ክብሉ ከሲሶም።

ሓይልታቶም ነቲ ዝተፈነወ መጥቓዕቲ ኣፍሺሎም ናብ ካምፕታቶም ከምዝተመለሱ ብምግላፅ ኣብይ ኣሕመድ ህፃናት ንሓደጋ ምቅላዕ ሓዊሱ ንሓይልታትና ንምፅላም ዝዓግቶ የለን ኢሎም።

ንዝኾነ ይኹን ኣፅዋር ኣይንብርከኽን ክብሉ ቅድሚ ማዕልታት ዝተዛረቡ ናይቲ ክልል ርእሰ ኣማሓዳሪ ኣወል ኣርባ ወራር ዝተፈፀመና ካብ ክልል ኦሮሚያ ንዝመፀ ሓይሊ ስለዝተቐበልና እዩ ዝብሉ ሰባት ኣለው እዚ ጌጋ እዩ ንዓና ካብ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንምንፃል ዓሊሙ ዝተፈፀመ እዩ ምባሎም ጠቒሱ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ምፅብፃቡ ይዝከር ይብል መስፍን ኣራጌ ዝለኣኾ ፀብፃብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG