ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቅና ናብ ትግራይ ክዋግኡ ተላኢኾም ክብላ ኣዴታት ወታደራት ሶማሌ ንተቓውሞ ወፂአን


Fatuma Moallim Abdulle is pictured with three of her children in Mogadishu, Somalia, Jan, 18, 2021. She has heard that her son Ahmed Ibrahim Jumaleh, 20, is one of the soldiers sent to Eritrea for training to fight in Ethiopia's Tigray conflict.
Fatuma Moallim Abdulle is pictured with three of her children in Mogadishu, Somalia, Jan, 18, 2021. She has heard that her son Ahmed Ibrahim Jumaleh, 20, is one of the soldiers sent to Eritrea for training to fight in Ethiopia's Tigray conflict.

ወታደራት ሶማሌ ናብ ደማዊ ግጭት ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ክዋግኡ ተላኢኾም ብዝብል ክስታት ምኽኒያት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማሊያ ፀቕጢ እናሓየለ ምምፅኡ ተፈሊጡ።ኣዴታት ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾን ካልኦት ከባቢታትን ፈለማ ንወታደራዊ ስልጠና ናብ ኤርትራ ዝተልኣኹ ደቀን ናብ ትግራይ ተላኢኾም ብዝብል ስግኣት ኩነታቶም ንምፍላጥ ብዙሕ ዘይተለምደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይደን።

ንናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘይምርግጋእ ሓደጋ ኣብ ዝኾነን ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ትግራይ የካይዱዎ ዘለው ውግእን ክሳተፉ ደቀን ናብ ትግራይ ተወሲዶም ዝብል ስግኣት ሓዲሩወን ኣሎ እዘን ኣዴታት።

መጀመሪያ ንወታደራዊ ስልጣን ናብ ኤርትራ ዝተልኣኹ ኩነታት ውላደን ብምሕታት ኣዴታት ብዙሕ ልሙድ ዘይኮነ ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾን ካልኦት ከባቢታትን ተቓውሞታት ኣካይደን ኣለዋ።

‘’ወታደራዊ ስልጠና ክወስዱ ናብ ኤርትራ ዝተልኣኹ ውላዳትና ተመንጢሎም ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ክዋግኡ ተላኢኾም ዝብል ሰሚዐ’’ ትብል ፋጡማ ሞዓሊም ዓብዱል ኣዲኡ ንወዲ 20 ዓመት ወታደር ኣሕመድ ኢብራሂም ጁማለህ።

‘’ብመሰረት ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ደቅና ብቐጥታ ናብ ከተማ መቐለ እዮም ተወሲዶም።እንታይ ከምዝስምዓኒ ትርዳእ ትኸውን።ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ከብደይ ዝፀርኩዎ ኣደ እየ፤ደመይን ስጋይን እዩ’’በለት ብምውሳኽ።

ሰሙን ወታደራት ሶማሌ ኣብ ትግራይ ኣይተሳተፉን ክትብል ኢትዮጵያ ኣብዚ ነፂጋቶ ኣላ።ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይኣትወተን ክትብል ኢትዮጵያ ኣሉ ምባላ ቀፂላትሉ ኣላ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ናይ ኖቤል ሽልማት ሰላም ዘርከበሎም ኣብ 2018 ኣ\ፈ ምስ ኤርትራ ሰላም ፈጢሮም።

ሕዚ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ፀላእቶም ዝኾኑ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፅኦም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ተቖፃፂሮምዎ ዝነበሩን ሕዚ ይህደኑ ዘለውን መራሕቲ ትግራይ ተሓባቢሮም ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ኣለው ይብሉ ነቐፈቲ።

ናይ ሶማሊያ ፕሬዝዳንት ዓብዱላሂ መሓመድ ዓብዱላሂ ወታደራት ሶማሌ ኣብ ትግራት ተሳቲፎም ዝብል ክሲ ክምርምሩዎ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ሓላፊ ጉዳያት ኮሚቴ ወፃኢዝኾኑ ዓምዱል ኦሶበል ዓሊ ተሓቲቶም ኣለው።

‘’መንግስትና እንታይ ይሰርሕ ከምዘሎ ናይ ምቁፅፃር መሰል ኣለና እዩ’’ ኢሎም ዓሊ ንማዕኸናት ዜና ኣብ ዝተዘርግሐ ደብዳቢኦም።

ናይ ሶማሊያ እጄንሲ ስለያ ምኽትል ዳይረክተር ዝነበሩ ኢስማዒል ዳሂር ዖስማን ''እዞም ስልጠንኦም ቅድሚ ነዊሕ እዋን ክዛዘም ዝነበሮንም ወታደራት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ንምንታይ ናብ ገዝኦም ኣይተመለሱን ዝብል ምሕታት ግቡኡ እዩ’’ኢሎም።

ምንስቴር ሓበሬታ ሶማሌ ዖስማን ኣቦኮር ደደ ንስልጠና ኣብ ወፃኢ ሃገር ዘለው ወታደራት ሶማሌ ኣብ ግጭት ትግራይ ኣይተሳተፉ ክብሉ ነፂጎምዎ ኣለው።

‘’ኣብ ትግራይ ምስኦም ኮይኑ ዝዋጋእ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓተተ ወታደራት የለውን’' ኢሎም ብምውሳኽ።

እታ ሃገር ኣብቶም ዝቕፅሉ ሰሙናት ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትዳለወሉ እዋን ኣብ ኣዚዩ ተዃስሓይ ግዜ እዩ ወፃኡ ዘሎ እቲ ጉዳይ።ክልተ ክፍለ ግዝኣታት ኣብቲ ምርጫ ኣይንሳተፍን ኢለን ኣለዋ።እቶም ፕሬዝዳንት ብኽፋል ምርጫ ክካየድ ይደፍኡሉ ኣለው ክብል ተቓዋሚ ውድብ ይኸስስ።

ተቓዋሚ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ዓብዱርሕማን ዓብዲሻኩር ምዋርሳም ‘’ወለዲ ምስ ደቆም ርክብ ከምዘይብሎምን ገሊኦም ድማ ደቆም ምሟቶም ከምዝተነገሮምን ፃውዒት የቕርቡልና እዮም ዘለው’’ኢሎም።’’ብመሰረት ንረኽቦ ዘለና ሓበሬታ እዞም ቆልዑ ናብ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሲዶም ኣለው።ነፃ ሃገራዊ ኮሚሽን ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ንፅውዕ ኣለና’’ ኢሎም ብምውሳኽ።

XS
SM
MD
LG