ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ትራምፕ ብህውከት ኣብ ዝተወቕዐት ከኖሻ ዑደት ኣካይዶም


ናይ ዘርኢ ወጥሪ ዘጋድድ እዩ ብዝብል ስኽፍታታት ብሰበስልጣ ዊስከንሰን ንዝቐረበ ፃውዒት ዕሽሽ ብምባል ፕሬዝዳንት ትራምፕ ናብታ ፃዕዳ ፖሊስ ንፀሊም ቶኵሱ ብምቁሳሉ ናዕቢ ዝተመልኦ ተቓውሞታት ዝተልዓለላ ከተማ ከኖሻ ዊስከንሰን ተጓዒዞም፤ሕግን ስርዓትን ዝብል መልእኽቲ ወፍሪ ምርጫ ድማ ደፊኦምሉ ኣለው።

ኣብ ከኖሻ ዊስከንሰን ጃኮብ ብሌክ ዝሓለፈ ሰሙን ብፖሊስ ብጥይት ምስተወቕዐ ህውከትን ዘይምርግጋእን ኣብ ዘይተፈለያ ከተማ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ ተቓወሞታትን ፀረ ተቓውሞታትን ተቐቢሉዎም ኣሎ።

ነባሪ ከኖሻ ዝኾነ ብሌክ ብፃዕዳ ፖሊስ ብድሕሪቱ ብሸውዓተ ጥይት እዩ ተወቒዑ።

ዑደት ፕሬዳንት ተወሳኺ ናይ ዘርኢ ወጥሪ ከልዕል እዩ ዝብል መግለፂታት ከንቲባ ከተማ ከኖሻን ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ዊስከንሰንን ዕሽሽ ብምባል ትራምፕ በቲ ዘይምርግጋእ ንዝዓነወ ናይ ንግዲ ከባቢ ተዘዋዊሮም።

‘’ብዙሕ ክንሕግዞም ኢና።ብዙሕ ከም እንሕግዞምእኣምን እየ’’ ድማ በሉ።

ትራምፕ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ተራኺቦም፤ምስ ስድራ ብሌክ ግን ኣይተራኸቡን።መልእኽቲ ትራምፕ ‘’ሕግን ስርዓትን’’ ዝብል እዩ።ናይ ዘርኢ ወጥሪ ብዝምልከት ርሱን ክትዕ ይካየድ ኣሎ፤ኣብ ሕዳር ክኣምርጫ ይፅበዮም።

17 ዓመት ዝዕድሚኡ ፃዕዳ መንእሰይ ኣብ ከኖሻ ብኣውቶማቲክ ብረት ንኽልተ ሰባት ምቕታሉ ንርእሱ ክከላኸል ዝወሰዶ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሪኢቶ ሂቦም ነይሮም ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን።ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ጆ ባይደን ሓዊሱ ብዙሓት ተነቒፎም ኣለው ንትራምፕ።

‘’ሓዊ ይባራዕ ኣሎ፤ነቲ ሓዊ ኣብ ክንዲ ምጥፋእ ነቲ ሃልሃልታ ዘጎሃህር ፕሬዝዳንት እዩ ዘለና። ከነባርዕ የብልናን፤ክንሃንፅ እዩ ዘለና’’ ኢሎም ባይደን።

ትራምፕ ናይ ውሽጢ ሽብር ኢሎም ንዝፀውዕ ህውከት ዴሞክራት ጉልበት ይህቡዎ ኣለው ክብሉ ንዴሞክራት ይኸሱ።

‘’ግዲ ዘይብሎም ርሑቕ ፀጋማይ ክንፊ ፖለቲከኛታት ሃገርናን ኣኽበርቲ ሕግናን ጨቆንቲ ወይ ዘርኣዊያን እዮም ዝብል ኣዕናዊ መልእኽቶም ይደፍእሉ ኣለው’’ ኢሎም ትራምፕ።

XS
SM
MD
LG