ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብዚ እዋን ለበዳ ቫይረስኮሮና ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣይሁዳዊያን ናብ እስራኤል ይስደዱ


ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣይሁዳዊያን ናብ እስራኤል \ንምፍላስ\ ይሓስቡ ከምዘለው ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።

ብቋንቋ ሂብሩ ኣሊያ \Aliyah\ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናብ እስራኤል ዝግበር ስደት ልሙድ እዃ እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝካየድ ዘሎ ስደት ግን ብከፊል ካብ ቫይረስኮሮና ንምህዳም'ዩ። እስራኤል ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 በፃሕቲ ናብ ሃገራ ከይኣትው ዝኸልከለት ክትኸውን ከላ ንሓደሽቲ ስደተኛታት ግን ኣብ ምቕባል ትርከብ።

ድሕሪ ነዊሕ ታሪኽ ስደትን ስግኣትን ንኣይሁዳዊያን ውሑስ መዕቖቢ ንምሃብን ብዝሒ ህዝቢ እስራኤል ክዓብን ናይ እትገብሮም ፃዕርታት እስራኤል ናይ ምምላስ መሰል ክተኽብር ፀኒሓ እያ።ካብእትምስረት ጀሚሩ እታ ኣይሁዳዊት ሃገር ንኩሎም ኣይሁዳዊያን ስደተኛታት ብቀጥታ ዜግነት እናሃበት ካብ ዙሪያ ዓለም ክትቕበል ፀኒሓ እያ።

90 ዓመት ዝዕድሚአን ነሊ ግሩስጎት ብሓገዝ ይነብራሉ ካብዝነበራ ኒውዮርክ ብሃንደበ ኣብ እስራኤል ናብ ዝርከቡ ደቀን ክሕወሳን ክስደዳን ወሲነን። ጓለን ንናሊ ዝኾነት ጀሁዳ ከምዚ ትብል።

‘’ኣብ ብሩክሊን ብናይ ሬሳ መፅንሒ ገዛውቲ ተኸቢባን ኣብ ጥቓ ገዝኣ ሬሳ ብሬሳ ኮይኑ፣ሰባት በብስዓቱ እናሞቱን ኣብኡ ክትፀንሕ ከምዘይብላ ንምውሳን ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደለይን።ክንከላኸላ እንኽእለሉ እንኮ ውሑስ ቦታ እስራኤል እዩ።’’

ናይ እስራኤል ትካላት በብዓመቱ ኣስታት 3,800 ኣይሁዳዊያን ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ክምለሱ ይሕግዙ።

ኣብዚ ኣብ ግዜ ቅልውላው ቫይረስኮሮና ከም ኣካል ቀዳማይ ጉጅለ በረራ ልዕሊ ሓምሳ ሰባት ኢስቲ ብሩክሂም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኦሊም ወይ ስደት ኣቢሉ እስራኤል ምእታው ተሓጒሱ ኣሎ።

እስቲ ብምውሳኽ እስራኤል ኣብ ናይ መወዳእታ ስዓት እውን ማዕፁኣ ክፉት ብምግባር ንስደተኛታት፣ ክንክን ጥዕና ሓዊሱ ኩሎም ናይ ስደተኛታት ጥቕምታት ክረኽቡ ምግባራ እስራኤል ኩልሻዕ ንህዝቢ ትግደስ ምዃና ዘርኢ እዩ ይብል ።

እቲ ለበዳ እንተድኣ ቀፂሉ ዝቕፅል ዓመት ናብ እስራኤል ዝግበር ስደት እውን ክዉስኽ እዩ።

XS
SM
MD
LG