ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ ኣባላት ኦርኬስትራ ፖሊስ ትግራይ ብሓደጋ መኪና ሞይቶም


ንኣባላት ኦርኬስትራ ፖሊስ ትግራይ ዘሳፈረትን ካብ ኣክሱም ናብ ዓድዋ ተምርሕ ዝነበረትን ኣውቶቡስ ተገልቢጣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ በፂሑ፡፡

ቀዳም ሚያዝያ 21 ኣብ ኣክሱም መኽፈቲ ምርኢት ባህላዊ ፃውቲ ኢትዮጵያ ኣቕሪቦም ምሕዳሮም ናብ ዓድዋ እንትምለሱ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጓኒፉ፡፡

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ድማ ሰለስተ ኣባላት እቲ ኦርኬስትራ ሽዑንሽዑ እንትሞቱ ካልኦት 14 መንእሰያት ድማ ቀሊልን ከቢድን ማህሰይቲ ወሪዱዎም፡፡

ስነ ስርዓት ቀብሪ እቶም መወትቲ ስድርኦም ኣብ ዝርከብሉ ከባቢ ተፈፂሙ፡፡ እቶም መጉዳእቲ ዝበፀሖም ድማ ኣብ ሆስፒታላት ኣክሱምን መቐለን ተሓኪሞምን ይሕከሙን ኣለዉ፡፡

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብተመሳሳሊ ሓደጋ መኪና 9 ኣባላት ኦርኬስትራ ፖሊስ ትግራይ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሰለስተ ኣባላት ኦርኬስትራ ፖሊስ ትግራይ ብሓደጋ መኪና ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:13 0:00

XS
SM
MD
LG