ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

17 ሚልዮን ሰባት ኣብ ትሸዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓደጋ ጥምየት ከምዘጋጠሞም ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ


ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተርስ
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተርስ

ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ 17 ሚልዮን ዝግመቱ ሰባት ሓደጋ ጥምየት ከምዘጋጠሞም ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ።ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብድርቂ ንዝተጠቕዓ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሕግዝ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዖም።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተርስ ናይ ኬንያ ዑደቶም ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝዛዘምሉ እዋን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓደጋ ጥምየት ከምዘጋጠመን ሓደ ነገር እንተድኣ ዘይተገይሩ ድማ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ክኸይድ ከምዝኽእል ገሊፆም።

ሶማል ሽዱሽተ ዓመት ኣብዘይመልአ ጊዜ ንካልኣይ ግዜ ዓፀቦ ኣጋጢሙዋ’ሎ።ደቡብ ሱዳን እውን ኣብ ገለ ኽፋላት እታ ሃገር ዓፀቦ ከምዘጋጠማ ኣዊጃ’ላ፤መንግስቲ ኬንያ እውን ድርቂ ሃገራዊ ሓደጋ ክብል ክእውጅ ከሎ ኢትዮጵያ እውን ተመሳሳሊ ሓደጋ ድርቂ ኣጋጢሙዋ’ሎ።

ብተወሳኺ ጉተረስ ብዛዕባ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ምስ ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ተዘራሪቦም ኣለው።

ህውከት፣ዝምታን ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ሰባት ረድኤት ከይበጽሕ ምኽልካልን ንኩነታት ደቡብ ሱዳን ስለዘጋደዶ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለው ኢሎም።

ቅልውላውን ስቓይን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ንከብቅዕ ዓብዪ ፃዕሪ የድሊ እዩ ኢሎም።

“ብዙሕ ፃዕሪ ከድልየና እዩ።ሕዚ እውን ብዙሕ ሓደጋታት የጋጥም፣ውግእ ይካየድ፣ብዙሕ ሽግራት ይፍፅሙ ኣለው።ሓደጋ ምፅናት ዘርኢ ግን ትርጉም ብዘለዎ ነኪዩ’ሎ።መሪሕነት ኢጋድ፣ሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት ሃገራትን ነቶም ፈተናታት ስለተረድኡዎ ናብ ትኽክለኝ ኣንፈት ከምርሕ ተስፋ ኣለኒ።”

ህፁፅ ሓገዝ ካብ ዘድልዮም 17 ሚልዮን ሰባት እቶም ሓደ ሲሶ ሶማልያዊያን እዮም።

ኣብ ሶማል ንዘሎ ኩነታት ዘጋደዶ ሕፅረት ዝናብን ዘየቋርፅ ግጭትን እዩ።ግጭት፣ጥምየት፣ሕማምን ንኣል-ሸባብን ግብረ ሽብራ ንምስዓር ዝካየድ ቓልስን ተደማሚሮም ኣብ ህይወት ሶማልያዊያን ኣዕናዊ ተፅዕኖ የሕድር ኣሎ ኢሎም።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት /UNHCR/ ኣብ ሶማል ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምውጋድ እንተወሓደ 800 ሚሊዮን ዶላር የድሊ እዩ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG