ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘቑፀረ ኵናት ኢትዮጵያ ክስታት መግሃስቲታት ሰብኣዊ መሰላት፣ኣጀማምራ እቲ ኵናት፣ሪኢቶታት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ብዝምልከት ሮይተርስ ሰፊሕ ፍሉይ ፀብፃብ ሰሪሑ ኣሎ።
ብህወሓት ዝመራሕ ሰራዊት ብቕልጡፍን ብዘይድጋፍን ናብ ናይ ፀላኢ ግዝኣት ገስጊሱ ነይሩ ይብሉ መስራቲ ህወሓት ዝነበሩ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ።ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምእታዎምን ኣብ ዝዓለምዎ ቅድሚምብፅሖምን ተዋጋእቲ ትግራይ ንምቑራፅ ዝተቓልዑ ነይሮም።ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክኣትው ከለው ንዕኦም ፅልኢት ናብ ዘለዎ ግዝኣት ይኣትው ስለዝነበሩ እቲ ገስጋስ ጥፍኣት ምንባሩ ዶክተር ኣረጋዊ ተንብዮም ከምዝነበሩ ይገልፁ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብወገን ትግራይ ነቲ ኵናት ዝመርሕዎ ዘለው ኣንፃር ደርጊ ይካይድ ኣብ ዝነበረ ኵናት ይመርሑ ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት እዮም።ካብኦም ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኢታማዦር ሹም ነበር ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ እዮም።ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበሩ ጀነራል ፃድቃን ኣብ ኣካይዳ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣ\ፈ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ብዝነበረ ዘይምርድዳእ ካብ ሓላፍነቶም ወሪዶም።ናብ ዋና ከተማ ኤርትራ ክግስግሱ ድልየት ነይሩዎም።ጀነራል ፃድቃን ካብ ጥሮታ ተመሊሶም ህወሓት ኣንፃር ኣዲስ ኣበባ የካይዶ ኣብዘሎ ቓልሲ ቁልፊ መራሒ እዮም።
ጀነራል ፃድቃን ነዚ ፅሑፍ እዚ ሪኢቶ ኣይሃብሉን።ቅድም ክብል ምስ ሮይተርስ ብስልኪ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ግን ኣብ መንጎ ዶክተር ኣብይን ህወሓትን ዕርቂ ንምፍጣር ንኣዋርሕ ከምዝፈተኑን ናይ ኤርትራ ተሳትፍሮ ግን ብረት ካብ ምልዓል ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ከምዘይነበሮምን ገሊፆም። ‘'መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃገርና ንክወሩ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ጋቢዙዎም።እቲ ዝነበረና ምርጫ ንናይ ወፃኢ ሓይልታት ወይ ንናይ ኣብይ ሓይልታት ኢድ ምሃብ እዩ ወይ ድማ እዚ ኣይኸውንን ኢልካ ኣብቲ ቃልሲ ምፅምባር እዩ።ኣነ ነዚ ዳሕረዋይ ሓሪየ’’ኢሎም።
ኣብ ትግራይ ኣብ ድሕሪት ካብዘሎ ሓይሊ ካሊእ ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ኢትዮጵያ ነበር ጌታቸው ኣሰፋ እዮም ብመሰረት ምስ መሪሕነት ህወሓት ርክብ ዘለዎም ክልተ ሰባት።
ዓቀብቲ ሕጊ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ሓላፊ ስለያ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብመስቀይቲ፣ቅትለትን ካልኦት ገበናትን ኣብ ዘየለውሉ ከሲሶምዎ እዮም።ንዝቐረቡዎም ክስታት ብወግዒ መልሲ ኣይሃቡን።ኣቶ ጌታቸውን ህወሓትን ነዚ ፅሑፍ መልሲ ክህቡ ብሮይተርስ ንዝቐረቡ ሕቶታት ኣይመለሱን።
መንገዲ ሕድ ሕድ ኵናት ዝጀመረ ይብሉ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ገለ ካልኦት ተንተንቲ እውን ዝኣምንሉ ሪኢቶ ኣብይ ከም ብእንካ ሃባ ዝኣምን ሕፁይ ቀዳማይ ምንስቴር ኮይኖም ኣብ 2018 ኣ\ፈ ኣብ ዝወፅኡ እዋን እዩ ይብሉ።ናብ ስልጣን ምስ ደየቡ ዶክተር ኣብይ ንናይ ህወሓት ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ክብድሁ ድሕሪ ምውሳኖም እቲ ግጭት ዘይተርፍ እዩ ነይሩ ኢሎም ይኣምኑ ብዙሓት ተንተንቲ።ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ቀልጢፎም ህወሓት ናይ ለውጢ ዕንቅፋት ብምዃን ብድሕሪት መድረኻት ስልጣን ንምሓዝ ይፍትን ኣሎ ክብሉ ከሲሶምዎ።
ጠቕላሊዓቃቢ ሕጊን ምንስቴር ፍትሕን ኢትዮጵያ ጌዲዮን ቲሞትዎስ ንሮይተርስ ኣብ ዝ ሃቡዎ ቃለ ምልልስ ብመንግስቲ ዝውነን ኩባኒያ መቴክ ሓዊሱ ቅድም ክብል ምስ ናይ ህወሓት ተሓባበርቲ ሰባት ይምርሑዎ፤ነይሮም ግዙፍ ናይ መንግስቲ ኮንትራት ይወስዱ ነይሮም ይብሉ።ሸውዓተ ቢሊዮን ብር ኣበይ ከምዝኣተው ግልፂ ይኮነን ይብሉ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ገዲዮን።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ መቴክ ነበር ትግራዋይ ሜጄር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ሕዳር 2018 ኣ\ፈ ተኣሲሮም ብርክት ዝበሉ ክስታት ቀሪቡዎም።
ኣብ ኦስሎ መፅናዕታት ሰላምን ግጭትን ፕሮፌሰርን ህወሓት ብዝምልከቱ ጉዳያት ክኢላን ምስቲ ውድብ ጥቡቕ ርከብ ዘለዎን ዠትል ትሮንቮል ግዕዝይና ኣብ ልዕሊ ህወሓት ትኹረት ገይሩ ዝቐርብ ‘'ናይ ሓሶት ተረኽ’’እዩ ይብል።ኣብ ካልኦት ሊሂቃን ናይ ብሄር ጉጅለታት እውን ብልሽውና ኣሎ ይብል።ገለ ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ክንፈ ዝቐረበ ክሲ ፖለቲካዊ እዩ ይብሉ።
ብዙሓት መራሕቲ ህወሓት ብክስታት ግዕዝይና ምእሳሮም ካልኦት ናይቲ ፓርቲ ሰባት ናብ መቐለ ክሃድሙ ገይሩዎም።ናይ ክልቲኦም ወገናት ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ምስሕሓብር ዘይተርፍ ነይሩ።
ፌደራል መንግስቲ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ሃገራዊ ምርጫ ምንውሑ ብምቅዋም ትግራይ ኣብ መስከረም 2020 ኣ\ፈ ምርጫ ኣካይዳ።
መንግስቲ ኣብይ ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሉ ኣዊጁ።ፓርላማ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ገንዘብ ከይልኣኽ ከልኪሉ።
‘’ኣብቲ ስዓት ኵናት ዘይትረፍ ነይሩ’’ይብል ኣብ ብራስልስ ዝመደብሩ International Crisis Groupናይ ኢትዮጵያ ተንታኒ ዊሊያም ዴቪሰን።መራሕቲ ትግራይ ‘'ፌደራል መንግስቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ሓይሊ ተጠቒሙ ንትግራይ ከዳኽም ኢዶም ዓፃፂፎም ኮፍ ከምዘይብሉ ግልፂ ገይሮም እዮም’’ይብል ዴቪሰን።
3 ሕዳር 2020ኣ\ፈ ውግእ ተላዒሉ።
ዓቀብቲ ሕጊ ፌደራል 16 ወታደራት ኢትዮጵያ ብቃለ ምሓላ ዝመስከሩዎ ንሮይተርስ ኣርእየምዎ።ሓይልታት ትግራይ ለይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ከምዝፈፀሙ እቶም ወታደራት ይገልፅዎ።ሮይተርስ ንቶም ወታደራት ኣየዘራረበን ንቃለ ምስክርነቶም እውን ብነፃ ወገን ኣየረጋገፀን።
ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዝቕፅሉ ማዕልታት ብዙሓት ግፍዕታት ፈፂሞም ክብሉ ዓቃብቲ ሕጊ ይኸሱ።ናይቲ ግጭት ጀማሪ ህወሓት እዩ ይብሉ እቶም ዓቀብቲ ሕጊ።
ህወሓት ነቲ ስጉምቲ ዝወሰድኩ ሓይልታት ፌደራል መጥቓዕቲ ንምፍናው ቦታት ንምሓዝ ይንቀሳቀሱ ስለዝነበሩ እዩ ይብል።
‘’ሓይልታት ፌደራል ኣብ ወሰና ወሰን ትግራይ ይተኣኻኸቡ ነይሮም’’ኢሎም መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ሓምለ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ ምልልስ።ህወሓት መብዛሕቲኡ ንወታደራት ኢትዮጵያ ብሰላም ዕጥቖም ከፍትሖም እዩ ፈቲኑ ከምኡ እውን እዩ ገይሩ ቶኽሲ ኣይነበረን ኢሎም ዶክተር ደብረፅዮን።’’ዓርሰ ምክልኻል እዩ’’ኢሎም ብምውሳኽ።ሮይተርስ ብዛዕባ ዝቐረቡ ሰነዳትን ቃል ምስክርነትን ዘቕርቦም ሕቶታት ህወሓት ኣይመለሰን።
ውግእ ምስ ተጀመረ ሓይልታት ፌደራል ንቁልፊ ከተማታት ትግራይ ተቖፃፂሮም ንብዙሓት መራሕቲ ህወሓት ቀቲሎም ወይም ሒዞም።ግን ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ሰራዊት ፌደራል ከቢድ ስዕረት ከጋጥሞ ጀሚሩ።ኣብ መወዳእታ ሰነን መጀመሪያ ሓምለን ካብ ትግራይ ወፂኡ።ቀዳማይ ምንስቴር በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ኣዊጆም።
ኣብ መላእ ትግራይ ኣማእቲ መናእሰይ ደቂ ተባዕቲዮን ደቂ ኣንስትዮን ትግራይ ናብ ሰራዊት ትግራይ ክፅንበሩ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ኣብ ሓምለ ተዓዚቡ።ሓይልታት ትግራይ ናብ ደቡብን ምብራቕን ብምድፋእ ንክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተቖፃፂሮም።ኣብቲ እዋን ዕላምኦም ንዕፅዋ ንምኽፋት እዩ ኢሎም፤ረድኤት ከይኣቲ ዝኸልከለ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ስቪላት ኣንፃር ገስጋስ ህወሓት ክከላኸሉ ፀዊዑ።
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሕዳር ትሕቲ ክልተ ምእቲ ኪሎ ሜትር ናብ ኣዲስ ኣበባ ተፀጊዖም ነይሮም።ብዙሓት ሃገራት ዜጋታቶም ክውፅኡ ኣዚዞም።መንግስቲ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ህፁፅ ግዜ ኣዊጁ።
ሓይልታት ትግራይ ናብ ድሕሪት ተመሊሶም።ነቲ ኵናት ባዕሎም ክመርሑዎ ናብ ዓውዲ ኵናት ብምውፋር ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ብድሮናትን ሓደሽቲ ኣሽሓት ምልምላትን ተሰኒዮም ዓብይ መጥቓዕቲ ፈኒዮም።