ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጉዳያት ሕገ መንግስቲ ዘፃሪ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ መስከረም ክፍጠር ንዝኽእል ክፍተት ንምምላእ ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሞያዊ ሓሳብ ዘቕርብን ንጉዳያት ሕገ መንግስቲ ዘጻርይን ጉባኤ ስራሑ ጀሚሩ።እቲ ጉባኤ ሰብ ሞያ ሕገ መንግስትን ኣብ ምርቃቕ ሕገ መንግስቲ ናይ ዝተሳተፉን ሰባት ርእይቶታትን ይቕበል ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝቕፅል መስከረም ክፍጠር ንዝኽእል ክፍተት ሕገመንግስታዊ ትርጉም ንምሃብ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ተመሪሑ ኣሎ።ትርጉም ዝተሓተተሎም ዓንቀፃት ብሓደ ወገን በብሓሙሽተ ዓመት ምርጫ ክካየድ ከምዘለዎ ዝገልፅን በቲ ኻልእ ድማ ኵናትን ናይ ህዝቢ ጥዕና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ኩነታት ከጋጥም ከሎ ኣብስልጣን ዘሎ መንግስቲ ናይ ህጽጹ እዋን ኣዋጅ ክእውጅ ከምዝኽእል ዝገልፁ እዮም።

ድሮ እውን ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሞያዊ ሓሳብ ዘቕርብ ጉባኤ መፃረይ ሕገ መንግስታዊ ጉዳያት ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ።እቲ ጉባኤ ሰብ ሞያ ሕገ መንግስትን ኣብ ከይዲ ምርቃቕ ናይ ዝተሳተፉ ውልቀሰባትን ርእይቶታትን ንኽልተ መዓልታት ተቐቢሉ ኣሎ።

ሓደ ኣባል ኣርቃቒ ኮሚሽን ሕገ መንግስቲ ዝነበሩ ኣምባሳደር ታየ ህዝቀስላሴ ድሕሪ መስከረም ንኢትዮጵያ ዝመርሕ መን እዩ ዝብል ነቲ ሕገ ብምትርጓም እዩ ዝርከብ ኢሎም ኣለው።

ምሁር ሕግን ፖለቲካንፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገብረማሪያም ካብ ኣሜሪካ ንሕገ መንግስቲ ብምትርጓም መፍትሒ ምሃብ ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG