ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዝተፈፅመ መጥቓዕቲ ሰባት ተቐቲሎም


ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ወረዳ ጉባ ዕጡቓት እቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዝፈፀሙዎ መጥቓዕቲ ህይወት 16 ስቪላት ምጥፍኡን ካልኦት 6 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽንክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ አቶ ግዛቸው ሙሉነህገሊፆም።

ግዳያት ናይቲ መጥቓዕቲ ዝኾኑ ድማ እቲ መጥቓዕቲ መንነት ዒላማ ዝገብረ እዩ ኢሎም።

ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣቶ ዓብዱልዓዚዝ መሓመድ ግን እቲ መጥቓዕቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ከይኮነስ ብምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ዘይተሓጎሱ ተለኣኣኽቲ ግብፅን ህወሓትን ዝፈፀምዎ እዩ ኢሎም ።

22 ሓምለ 2012 ዓ\ም ኣብ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ወረዳ ጉባ ብዝተፈፀመ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ህወይት 14 ሰባት ጠፊኡ ሽዱሽተ ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ ብመሰረት ሓበሬታ መንግስትን መሰኻኽርን።

ኣብ ወረዳ ጉባ ያንቡነ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዝነብር ሲሳይ ኣበበ መጥቓዕቲ ከምዝፍፀመ ምስ ሰምዐ ስድርኡ ሒዙ ምሽት ከምዝሃደመ ይሕብር።

‘’ቶኽሲ ክጅመር ከሎ ብፀልማት ስዓት ክልተ ሃዲምና ወፂኢና።ንጉሆ ተመሊስና ምስርኣናዮ ግን ኣዚዩ የፅልእ።ምፍጣርካ የፅልእ’’ ብምባል ገሊፁዎ።

ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙዎናይቲ ከባቢ ነበርቲ እዮም ፤ናብ ሓይሊታት ፀጥታ ስልኪ ደዊልና ዝደርአና የለንኢሉ።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ምሉነህኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተላኢኹ ስነስርዓት ቀብሮም ተፈፂሙ ኣሎ ኢሎም።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ጉባ ኣቶ ግርማ ንጋቱ እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመ ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱ ሽፍታታት እዩ፤ምስቶም ሸፋቱ ብምኳን ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙ ተወለድቲ ናይቲ ከባቢን ሓደ ናይ ካሊእ ብሄር ተወላዲን ከምዝሎ ፈሊጥና ኣለና ኢሎም።

‘’ሓበሬታ ብምቕባልን ንዕኦም ብምሕጋዝን ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ናይ ምውዓል ስራሕ ሰሪሕና ኣለና።ብርግፅ ናይ ትግራይ ተወላዲ ዝተብሃለ ኣሎ።ንሱ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለሉ ኩነታት ኣሎ’’ ኢሎም።

ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣቶ ዓብዱልዓዚዝ መሓመድ ግን እቲ መጥቓዕቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን፤ምምላእ ግድብ ህዳሴ ስዒቡ ናይዚ ዓወት ዘይድግፉ ተለኣኣኽቲ ዝፈጠሩዎ እዩ ኢሎም።

ናይ ግብፅን ህውሓትን ተለኣእኽቲ ዝበልሉ መረጋገፂ ክቕርቡ ተሓቲቶም ’’መቐለ ቀኒዮም ዝመፁ ኣለው።ካብ ሱዳን ዝመፁ ድማ ነዚ ተልእኾ ሒዞም ዝመፁ እዮም።ካብዚ ንላዕሊ መረጋገፂ እንታይ ይድለ’’ ኢሎም።

ምስቲ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ብድምር 30 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓሉን እዚ ናይ ብሄር ግጭት ከምዘይኮነን ክፍለጥ ኣለዎ ኢሎም።

ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ አቶ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመ ብፅንፈኛ ተለኣኣኽቲ ህወሓት እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ወረዳ ሰላም ናብ ንቡር ምምላሱ ኣቶ ግርማ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG