ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ፕረዚደንት ባይደን ንአባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ትማሊ ረቡዕንናይ ኮንግረስ ሓባራዊ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ ፈላማይ መደርኦም መንግስቲ ከም ናይ ፅቡቕ ሓይሊ ብምርኣይ ዝለዓለ ናይ መሰረት ልምዓትን ዕድል ስራሕን ብዝምልከት ትልሞም ኣቕሪቦም።ብሰንኪ ናይ ኮቪድ 19 ፕሮቶኮል ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንታዊ ባህሊ ወይ ልምዲ ናይ ሎሚ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ለበዳ ጆ ባይደን ንናይ ኮንግረስ ናይ ሓባር ኣኼባ ዘስምዕዎ መደረ ካብቲ ዝተለምደ 1,600 ተሳተፍቲ ከይኮነስ 200 ሰባት ጥራሕ እዮም ተረኺቦም።

‘’ነታ ሃገር ንኸትባ ኢና ዘለና’’ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ባይደን ‘’ኣማእቲ ኣሽሓት ዕድል ስራሕ ንፈጥር ኣለና።ሰባት ኣብ ህይወቶም ክሪኢዎን ክስምዖምን ዝኽእሉ ሓቃዊ ውፅኢታት ኢና ንሰርሕ ዘለና’’ ኢሎም።

ባይደን ትምህርትን ክንክን ህፃናትን ንምስፋሕ ናይ 1.8 ትሪሊየን ዶላር ትልሚ ስድራታት ኣሜሪካ ኣቕሪቦምኣለው።እዚ መደብ ብኽፋል ኣሜሪካዊያን ሰብ ፀጋ ብዝኸፍልዎ ግብሪ ዝምወል እዩ።እዚ ኣብ ልዕሊ ኣብ መጋቢት ዝኣወጁዎ 2.3 ትሪሊየን ዶላር ናይ መሰረተ ልምዓት ፓኬጅ እዩ።

ባይደን ካብ መብዛሕቲኦም ፕሬዝዳንታት ድሒሮም እዮም ፈላማይ መደርኦም ዘስምዑ።ይካየድ ንዘሎ ሰፊሕ ክታበት ቀዳምነት ንምሃድ ጥራሕ ከይኮነስ ብሰንኪ ናይ ፀጥታ ሻቐሎት እውን እዩ ድሒሩ።ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ደገፍቲ ፕሬዝዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንናይ ባይደን ዓወት ንምግልባጥ ንኮንግረ ወሪሮምዎ።

‘’ድሕሪ ሕድ ሕድ ኵናትኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲና ዝተፈፀመ ኣዚዩ ዝኸፍአ መጥቓዕቲ እዩ’’ እዮምኢሎም።

ባይደን ኣጀንድኦም ንናይ ትራምፕ ደገፍቲ ሓዊሱ ንኩሎም ኣሜሪካዊያን የቕርቡ ኣለው።

ባይደን ኣብ መደርኦም ምውናን ብረት ብዝምልከት ሕጊ ንክወፅን ኮንግረስ ናይ ኢምግሬሽን ሕጊ ከፅድቐሎምን ፀዊዖም ኣለው።

ኣብ ፖሊሲ ወፃኢ ድማ ካብ ኣፍጋኒስታን ወታደራት ብዛዕባ ምውፃእ፤ካብ ሰሜን ኮሪያን ኢራንን ዝመፅእ ስግኣት ኒኩሌር፣ወራር ሩሲያን ኣስሚሮምሉ ኣለው። ንቻይና እውን ኣጠንቂቖም ኣለው።ፀላእቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ተኸፋፍሉ እዩ ክብሉ ይወራረዱ ኣለው ግን ተጋጊዮም እዮም ኢሎም።

እንኮ ፀሊም ኣሜሪካዊ ሪፓብሊካዊ ሰኔተር ቲም ስካት ናይ ባይደን ናይ ለበዳ ፃዕርታት ብምትሓት ናይ ፓርቶም መልሲ ሂቦም።’’ሳላ ስሉጥ ስርሒት Opretion Wrap Speedን ምምሕዳር ትራምፕን ሃገርና ብውሑስን ውፅኢታውን ክታበታት ኣዕለቕሊቓ ኣላ’’ ኢሎም።

ንመጀመሪያ ግዜ ሓደ ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት መደረ ከስምዕ ከሎ ብቕደም ስዓብ ብስልጣን ካልአይትን ሳልሳይትን ዝኾና ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ምክትል ፕሬዝዳንት ካማላ ሃሪስን ኣፈጉባኤ ናንሲ ፔሎስን ጎኒ ንጎኒ ኮፍ ኢለን ምርኣይ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ፖለቲካ ታሪኻዊ ምዕራፍ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መደረ ፕረዚደንት ባይደን ንአባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:39 0:00


XS
SM
MD
LG