ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ዝተአሰሩ ኣባላት ሰማያዊ ፓርቲ ቤተሰቦም ኮነ ጠበቓታቶም ክሪእዎም ኣይኸአሉን' ኣቶ ይልቃል ጌትነት


አቶ ይልቃል ጌትነት - ኣቦ-መንበር ሰማያዊ ፓርቲ
አቶ ይልቃል ጌትነት - ኣቦ-መንበር ሰማያዊ ፓርቲ

ብሓልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተትሓዙ ኣባላት ሰማያዊ ፓርቲ ካብ ዝተኣስርሉ እዋን ጀሚሩ ቤተሰቦም ይኹን ጠበቓታቶም ክሪኡዎም ኣይክኣሉን ይብሉ ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት።

ኣቶ ይልቃል ጌትነት ሎማ ረቡዕ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ናይ ቀደም ናይ ፓርቶም ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዝነበረ ኣቶ ዮናታን ተስፋየ ሓዊሱ፣ ቴድሮስ ኣስፋው፣ፍሬው ተክለ፣ኤርሚያስ ፀጋየን ዳንኤል ተስፋየን ከምኡ'ውን ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ውድቦም ዝኾነ ጌታቸው ተስፋየ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ካብ ዝኣትው ልዕሊ 15 መዓልታት እንተገበሩ'ዃ ክሳብ ሕጂ ኩነታቶም ኣይፍለጥን ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ከምዚ ኢሎም። 'ክሳብ ሎሚ ነቶም እሱራት ምርኣይ ኣይተኸኣለን።ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሕጊ ዝርከቡ ሰባት ብሕገ መንግስቲ ዝተፈቐደሎም መሰል ዋላ ንሓዲኦም’ዃ ኣይተፈቐደሎምን።ቤተሰቦም፣ጠበቓታቶምን ንሕና'ውን ከም ኣባላት ፓርቲ ክንሪኦም ክሳብ ሎሚ ኣይተፈቐደን።'

ጠበቓታቶም ረቡዕን ዓርብን ክሪኡዎም ይኽእሉ እዮም ዝብል ብሰበ-ስልጣን ዝውሃብ መግለጺ ብግብሪ ግን ስራሕ ይበዝሐና’ሎ ብዝብል ምስምስ ክሳብ ሎሚ ንምርኣይ ኣይተኽኣለን ኢሎም።

ዘጨንቐና ዘሎ ኩነታት ጥዕንኦም እዩ ዝበሉ ኣቶ ይልቃል ሰብ ክሪኦም ዘይተደለየሉ ምኽንያት ኣብ ኣካሎም ዝበጽሐ ጉድኣት ስለዘሎ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትህዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG