ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ክልል ኣምሓራ - ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ዳያኑ ተፈቲሖም 


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ ዳያኑ ኩሎም ከምዝተፈትሑ ማሕበር ዳያኑ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ወኪል እቲ ማሕበር ኣቶ ብርሃኑ ኣሳሳ እቶ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ ዳያኑ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ስጋብ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት ምፍተሖም ገሊፆም።

እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ ዳያኑ ምኽንያት መእሰሪኦምን መፍትሒኦምን ንፁር ዘይምኳኑ ዝገልጹ ኣቶ ብርሃኑ ማሕበሮም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 13 ዳያኑ ምእሳሮም መግለጺ ምሃቡ ኣዘኻኺሮም።

ሓደ ካብቶም ዝተፈትሑ ዳያኑ ኣብ ዞባ ጎጃም ፕረዚደንት ቤት ፍርዲ ወረዳ እነብሴ ሳር ምድር ኣቶ ዘላለም ተመቸው ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ 10 ጥሪ 2017 ምፍትሖም ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣብ ቀረባ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ዳያኑ ዝሓወሰ ሕጊ ምፅዳቑ ዝዝከር ኮይኑ ምፍታሕ እዞም እሱራት ምስኡ ምትእስሳር ይህልዎ'ዶ ይኸውን ንዝብል ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ኣለም ኣንተ ኣግደው ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ዛጊድ ኣይሰለጠ ምስ በፅሓና ከነቕርብ ኢና።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG