ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ሊቢያ ናብ ጣሊያን ንምስጋር ዝፈተኑ 400 ዝኾኑ ሱዱዳት ኣብ ባሕሪ ጠሊቖም


Migrant workers from Africa
Migrant workers from Africa

ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት 2015 ብሜዲትራኒያን ባሕሪ ንዝሰግሩ ስዱዳት ዝኸፍአት ንምዃን ትዳሎ’ላ ኢለን። Save the Children ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ሊቢያ ናብ ጣሊያን ንምስጋር ሓደገኛ ጉዕዞ ዝገበሩ መብዛሕቲኦም ህፃናት ዝኾኑ ኣስታት 400 ስዱዳት ኣብ ቀረባ ምማቶም ኣፍሊጡ’ሎ።

ሓለውቲ ወሰን ማይ ጣሊያን ካብ 10 ክሳብ 13 ሚያዚያ 2015 ኣ/ፈ ንልዕሊ 7,000 ስዱዳት ኣድሒኖም ኣለው።ኣስታት 450 ህፃናት እንትኾኑ ካብኦም እቶም 317 ናዳዪ ዘይብሎም ህፃናት እዮም ብመሰረት Save the Children።

ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስዱዳት ጆል ሚልማን ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሚያዚያ ድሮ ኣስታት 8,000 ሰባት ካብ ባሕሪ ድሒኖም ኣለው።እዚ በዝሒ እዚ ዝሕብሮ ነገር ናይ 2015 ኣ/ፈ ዘይሕጋዊ ምስጋር ስዱዳት ብምሉእ ዓቕሙ ይካየድ ምህላው እዩ ኢሎም።

‘’በዝሒ ካብ ኣፍሪካ ናብ ጣሊያን ዝኣትው ዘለው ስዱዳት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣዐሪዮም ክበዝሑ እዮም’’ ምስ በሉ ሚልማን ብምቕፃል ‘’ናይ ዝሞቱ ቁፅሪ እውን ብሓሙሽተ ዕፅፊ ክዓቢ እዩ።ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣፍሪካ ተላዒሎም ኣብ ሜዲትራኒያን ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 500 በፂሑ’ሎ’’ኢሎም።ዋላ’ዃ ክሳብ መወዳእታ ሚያዚያ 2014 ኣ/ፈ 96 እንተበፅሑ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን 47 ነይሮም ህይወቶም ዝስኣኑ ብመሰረት መግለፂ ሚላምን።

ማዕበል ካብ ሊቢያ ናብ ጣሊያን ዝጉዓዙ ስዱዳት ኣብዚ ዓመት ብዘተሓሳስብ ብርኪ ብዙሕን ሓደገኛን እዩ ኢሎም ሚልማን።ካብ ሊቢያ ብሓደገኛ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ዝውሕዙ ዘለው ብዙሓት ስዱዳት ኣብታ ሃገር ካብ ዘሎ ህውከትን ገበንን ንምህዳም ከምዝኾነ ወሲኾም ሓቢሮም።ኣብ ጎደናታት ከም ትሪፖሊ ዝኣመሰላ ከተማታት ብዙሕ ገበን ይፍፀም ኣሎ እውን ኢሎም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ኣብ 2014 ኣ/ፈ ካብ ሰሜን ኣፍሪካ ተላዒሎም ብሜዲትራኒያን ኣቢሎም ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ እንተወሓደ 3,500 ሰባት ከምዝጠለቑ ገሊፁ’ሎ።በዝሒ ናይ ዝሞቱ ሰባት ኣብዚ ዓመት እዚ ክበዝሕ እዩ ክብላ ዝተንበያ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ትካላት ሕብረት ኣውሮፓ እዚ ዘይቅቡል ምጥፋእ ህይወት ጠጠው ንምባል ስጉምትታት ክወስዳ ይፅውዓ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG