ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብምድንጋር ንግዳዊ ገንዘብ ኣብ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ገበነኛ ኮይኑ ድሕሪ ምርካቡ፡ ዳግም ናብ ጎስጓስ ምርጫ ተመሊሱ`ሎ። ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣታት ንድጋፉ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተዛረበ ትራምፕ፡ኣብ ኢሚግረሽን ብምትኳር፡ ሃገራት ሰበን ናብ ኣመሪካ ከይመጹ ጠጠው እንተዘይቢለን ማዕቀብ ከም ዝገብረለን ኣጠንቂቑ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግዝኣት ኣሪዞና ወፍሪ ምርጫ ዘካየደ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ቁጽጽር ሓለዋ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ፋሕ ኢልዎ`ዩ ኢሉ።
“ኩሉ ዘተኣማምን ኣይኮነን። ወራር ባይደን ግን ብሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። ኮነ ኢሉ ንልኡላውነትናን ዶባትናን ንምዕናው ኢሉ ዝገብሮ `ዩ። ንምንታይ`ዩ ከምኡ ዝድለ ዘሎ ንዝብል፡ ሓደ እዋን ይንገረና ይኸውን። ምናልባት `ውን ድምጺ ክኸስብ ኢሉ ይኸውን።"
እንተኾነ ኣብ ምርጫታት ኣመሪካ ዜግነት ዘይብሎም ብቑጽሪ ዝግለጽ ድምጺ ሂቦም ዝብል መረዳእታ የለን። ስለዚ ነዚ ዘይሕጋዊ ኢሚግረሽን ብኸመይ ጠጠው ክተብሎ ኢኻ ተባሂሉ ዝተሓተተ ትራምፕ፡ ኣንጻር`ቶም ንኢምግረሽን ዝምግቡ ዘለዉ ናይ ወጻኢ መንግስታት ስጉምቲ ክወስድ `የ ክብል መሊሱ።
"ቻይና ትኹን ካልኦት ሃገራት ምስማዕ እንተኣብየናና፡ ንግዳዊ ቀረጽ ዝብሃል መቕጻዕቲ ኣሎ። ኣዝዩ ሕሱም ስጉምቲ`ዩ።"
ምምሕዳር ባይደን ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ዝግበር ዝነበረ ምቕባል ሕቶ ዕቑባ ጠጠው ኣቢልዎ`ሎ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ ብዘይሕጊ ንዝሰገሩ ዝግበር ዝነበረ ኣብ ቀይዲ ናይ ምእታው ስጉምቲ፡ ኣብ መዓልቲ ካብ 2,500 ምስ ሓለፈ`ዩ።
ባይደን ኣብ ዘረብኡ እቲ ዝድለ ዘሎ ምምሕያሽ ፖሊሲ ኢሚግረሽን ካብቲ ናብ ስደተኛታት ዝቐንዐ ተኹቷኺ ዘረባ ትራምፕ ክመጽእ የብሉን ኢሉ።
"ንኣጠቓላሊ ምምሕያሽ ኢሚግረሽን ኣብ ንቃለሰሉ እዋን፡ ንሱ ድማ ጾታዊ ዓመጽትን ሓረድትን ይብሎም። ሰባት ኣይኮኑን ይብሎም። እቶም ስደተኛታት "ንደም`ዛ ሃገር ይምርዝዎ ኣለዉ" ኢሉ። ንሱ ነዛ ሃገር ንገሌና ጥራይ እዩ ዝደልያ። ንሕና ድማ ንኩልና ትኸውን ሃገር ክትከውን ኢና ንደሊ።"
ባይደን ብምቕጻል፡ ትራምፕ ዝኽተሎ ጸረ ኢሚግራንት ዘረባ፡ ካብ መስመሩ ዝወጸን ነቲ ንኣመሪካ ዝተመስርተትሉ ኣመሪካዊ መትከላት ዘይኽተልን`ዩ ኢሉ፡
"ንስኻትኩም ነቲ ሃገር ናይ ኢሚግራንት እያ ዝብል ሓሳብ ኢኹም ትውክሉ። ሃገር ናጻ ህዝብን ፡ሃገር መጻኢ ሕልሚ ዘለዎምን`ያ። እታ ብሓባር ንነብረላ ኣመሪካ ንሳ`ያ።"
ትራምፕ ቅድሚ`ቲ ዝተዓወተሉ ናይ 2016 ምርጫ ንግዳዊ ገንዘብ ብሓሶት ኣደናጊሩ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዝሓለፈ ሰሙን ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ`ዩ። ፍርዱ ግን ንዝመጽእ ወርሒ ሓምለ `ዩ ተቖጺሩ ዘሎ።
ድሕሪ`ውዕሎ ቤት ፍርዲ ናብ ጎስጓስ ምርጫ ዝተመልሰ ትራምፕ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ነቫዳ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ውጽኢት ባይደን ንፍትሒ ንምጉዕጻጽ ዝጥቀመሉ ዘሎ መሳርሒ`ዩ ብምባል ባይደን ኣብ ጉዳይ ዶብ ምፍሻሉ ተዛሪቡ።
“ኣብ ታሪኽ ዓለም ዝኸፍአ ዶብ`ዩ ኮይኑ ዘሎ። ዝኾነትሳልሳይ ዓለም ሃገር`ኳ ካብዚ ናትና ዝኸፍእ ዶብ የብላን። ከምዚ ኣባና ዘሎ ኣንጻር ፖለቲካዊ ሕጹይ ዝግበር መጥቃዕቲ እትገብር ሳልሳይ ዓለም ሃገር `ውን የላን።"
ብመሰረት ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዝኣከቦ ርእይቶ ህዝቢ፡ ኣድመጽቲ ኣብ ኢሚግረሽን ዘለዎም ኣረኣእያ ክቕየር ጀሚሩ`ሎ። ዳርጋ ሓደ ሲሶ ኣመሪካውያን፡ ኢሚግራንት ገበናት ናይ ምፍጻም ሓደጋ ኣለዎም ኢሎም። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2017 ዝነበረ 19 % ንላዕሊ ምውሳኹ ዘርኢ`ዩ።
ቅጥዒ