ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞት ስደተኛ ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያን ይንህር‘ሎ


ስደተኛታትን ዘጓንፎም ዘሎ ፀገምን
ስደተኛታትን ዘጓንፎም ዘሎ ፀገምን

ንባሕሪ ሜድትራንያን ሰጊሮም ናብ ኣውሮዻ ንክኣትው ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ናይ ዝሞቱ ሰባት በዝሒ ይንህር ከምዘሎ ሕ/ሃ ኣፍሊጡ።

ኣብ‘ዚ ቀረባ‘ኳ ሬሳ 12 ሰባት ከምዝተረኸበ ዝጠቅስ እቲ ዜና፣ካብ ሞንጎ እቶም ግዳያት፣ሶርያዊት ወላዲት ክልተ ደቃን፣ሰለስተ ኤርትራውያንን ሽዱሽተ ዘይተነፀሩ ኣፍሪቃውያንን’ዮም።

እታ ኣሳፊራቶም ዝነበረት መርከብ ዓቅማ 200 ሰባት ክተሳፍር እናተገበኣ ከሎ ምናልባሽ ልዕሊ ዓቅማ ሰባት ኣሳፊራ ከምዝነበረት‘ውን ተሓቢሩ።

UNHCR ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ስደተኛታት ንባሕሪ ሜድትራንያን እናሰገሩ ከለው ከምዝሞቱ ይገልፅ።እቶም 217 ካብ ሊብያ ዝተበገሱ፣እቶም 288 ድማ ኣብ ማያት ጣልያን ሓደጋ መርከብ ኣጓኒፍዎም ሙማቶም ዝተረጋገፀ ወይ ዝጠፍኡ‘ዮም።

ሰበ-ስልጣን ጣልያን ኣብ‘ዘን ሸውዓተ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ ወደባት ጣልያን በዝሒ ዝኣተው ስደተኛታት 64 ሽሕ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም‘ለው።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ጉዳይ ስዱዳት ሕ/ሃ፣ኣብ ሊብያ ን37 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝመዝገበን፣መብዛሕኦም ሶርያዊያን ከምኡውን ኤርትራዊያን፣ሶማልያውያንን ዒራቃውያንን ምኻኖም ተፈሊጡ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG