ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ንሓድሽ ፕሮግራም ገንዘባዊ ሓገዝ ዝምልከት ኣብ ኢትዮጵያ ይበጽሑ


ሰበ-ስልጣን ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ተኽእሎታት ፕሮግራም ሓገዝ ገንዘብን ቴክኒካዊ ስራሓት ንምንጻፍን ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ይርከቡ።

ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ(ኣይ.ኤፍ.ኤፍ) ካብ ኢትዮጵያ ሕቶ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም ዝቐረበሉ ዝገለጸ ወሃቢ-ቓል`ቲ ማዕከን ገንዘብ፡ ኢትዮጵያ ተደራራቢ ጸገማት ደርቂን ግጭትን ከጋጥማ ምጽንሑ ሓቢሩ'ሎ። እቲ ፕሮግራም፡ ነቲ ካብታ ሃገር ዝበቁል ዘበታዊ ቁጠባዊ ጽገና ንምሕጋዝን፡ ኣብታ ሃገር ድኽነት ብምንካይ ኣብ ቁጠባዊን ሰብኣውን መዳያት ዘለውዋ ብድሆታት ኣብ ምግጣሞም ንምሕጋዛ ከም ዝሰርሕ ወሃቢ ቓል ኣይ.ኤም.ኤፍ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብዛዕባ`ቲ ዜና ቀዲሙ ዝሓበረ ብሉምበርግ፡እቶም ሰበ-ስልጣን ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ን10 መዓልታት ከምዝጸንሑ ጠቒሱ ኔሩ።

ድሕሪ`ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ናብ ሓያል ምዕባለ ነባሪ ሰላም ዝወስድ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ከምኡ`ውን ምቕጻል ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ክልል ትግራይ፡ ኣይ.ኤም.ኤፍ ብታሕጓስ ከም ዝተቐበሎ እቲ ወሃቢ ቓል ይጠቅስ።

ኣብ ኣይ.ኤም.ኤፍ ዝለዓለ እጀታ ዘለዋ ኣመሪካ፡ ድሕሪ`ቲ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ምትእስሳራ ኣብ ምድልዳል ትሰርሕ ከምዘላ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG