ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይድ ምህላው ሮይተርስ ገሊጹ


ልኡኽ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ(IMF)ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት የካይድ ከምዘሎ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ገሊፁ። እዚ ዝኸውን ዘሎ እታ ሃገር ካብ ዓለምለኸ ኣለቃሕቲ ልቓሕ ንምውሓስ ኣብ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ጁሊ ኮዛክ ብዛዕባ ፕሮግራም ልቓሕ ዝቐረበ ሕቶ ንምዝርራብ ሓደ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝልእኽ ገሊፁ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ፕሮግራም ተሃድሶ ዝብል ኣስታት 3.5 ቢሊዮን ዶላር ንምልቃሕ ምስ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣብ ዝርርብ ከምዘላ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰለስተ ምንጭታት ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ንሮይተርስ ገሊፆም።

ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ልኡኹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝርከቡ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል "ልኡኽ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ነቲ ክሳብ ሕጂ ንቁጠባዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ እተገብረ ሃናፂ ዝርርብ ንምቕፃል ኣብዚ ሰሙን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርርብ ይጅምር ኣሎ" ኢሉ ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ፓሪስ ክለብ ዝተባህለ ኣለቃሒ ትካል ኢትዮጵያ ብዘይካ ምስ ቻይና ምስ ካልኦት ኣለቃሕቲ ክሳብ 2025 ምክፋል ልቃሕ ደው ንምባል ምስምማዓ ገሊጹ: እዚ ስምምዕ ግን ካብ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ልቓሕ እንተዘይረኺባ ክስረዝ ከምዝክእል ምሕባሩ ይዝከር፤።

ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ኢትዮጵያ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ዩሮቦንድ ከይከፈለት ምስተረፈት ኣብ ውሽጢ ሓያሎ ዓመታት ዕድአን ካብ ዘይከፈላ ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG