ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

IMF ንመጠን ዕብየት ቁጠባ ኢትዮዽያን ኤርትራን ዝገምገመሉ ሪፖርት


IMF
IMF
ቁጠባ ኢትዮዽያ፣ንዓመታ‘ውን ብዘተኣማምን መጠን ምዕባዩ ከምዝቅፅል፣ሓድሽ ሪፖርት ዓለም-ለኸ ትካል ገንዘብ ኣፍሊጡ።ካብ‘ቲ መንግስቲ ዘውፀኦ መጠን ግና፣ዝታሓተ‘ዩ ገምጋም‘ዩ።

ኣብ‘ዚ ወርሒ ዝወፀ ሪፖርት IMF ሓቀኛ መጠን ምዕባለ ቁጠባ ኢትዮዽያ፣ማዕረ መጠን ምዕባለ ሎም-ዘበን 6.5 ሚእታዊ ከምዝኾነ ይሕብር።መንግስታዊ መግለፂ ግና፣ቁጠባ ኢትዮዽያ ብ8.5 ሚእታዊ ክዓቢ‘ዩ ይብል።

ኣብ ኢትዮዽያ ዳይረክተር IMF ያን ሚከልሰን ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ምዕባለ ቁጠባ ኢትዮዽያ ካብ‘ቲ ኣብ ዝሓለፉ ትሻዓተ ዓመታት የምዝግቦ ዝነበረ ዓሰርተ ነጥቢ ሓደ ሚእታዊ ከምዝነከየ ጠቂሶም‘ለው።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ዓመታት መጠን ምዕባለ 7.5 ሚእታዊ ኮይኑ ከምዘሎን፣ሎም-ዘበንን ንዓመታን ናይ ምንካይ ኣንፈት ኣመዝጊቡ‘ሎ ይብሉ ሚስተር ሚክልሰን።

መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን ጠንቂ ምንካይ‘ቲ ምዕባለ ኢሎም ዝገልፅዎም፣ ምንካይ ሕርሻዊ ፍርያት፣ሰበ-ስልጣን ንደረጃ ምዕባለ ዝግብጥሉ ኣሃዛት ካብ‘ቶም ሕሉፋት ኣሃዛት ስለዝተቀየረ ምኻኑ ይሕብሩ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣መጠን ዝቅባበ (ኢንፍለሽን) ኣብ ኢትዮዽያ ትሕቲ ዓሰርተ ሚእታዊ ኮይኑ ከምዘሎ IMF ኣረጋጊፁ።ዋጋ ሃለኽቲ (ኮንስዩመር ፕራይስ) ንዓመታ ናብ ትሻዓተ ሚእታዊ ክዓቢ‘ዩ፣ካብ‘ቲ ሎም-ዘበን ዝተገመተሉ 8.3 ሚእታዊ ክውስኽ‘ዩ ማለት‘ዩ።

እዚ መጠን‘ዚ ድማ፣ብሕልፊ ካብ‘ቲ ዝነበረሉ 22 ክሳብ 23 ሚእታዊ መጠን ዝቅባበ ክነፃፀር ከሎ፣ዓብዪ ምምሕያሽ‘ዩ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ቤት ፅሕፈት ማእከላይ ስታትስቲክስ ኢትዮዽያ፣መጠን ዝቅባበ (ኢንፍለሽን) እታ ሃገር፣ኣብ ለካቲት 10.9 ሚእታዊ ኣብ መጋቢት ድማ 7.6 ሚእታዊ ከምዝነበረ ኣብ ኢትዮዽያ ትሕተም ናይ እንግሊዝኛ ጋዜጣ ፎርችን ፀብፂባ‘ላ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ድሮ ደኺሙ ዘሎ መጠን ዕብየት ቁጠባ ኤርትራ፣ምንቁልቋላዊ ዕብየት የርኢ ከምዘሎ ሪፖርት IMF ኣፍሊጡ።

ኤርትራ ቅድሚ ዓሚ ጠንካራ ዕብየት መጠን 8.7 ሚእታዊ፣ዓሚ 7 ሚእታዊ ከምዘመዝገበ ዝጠቀሰ IMF፣ናይ ሎም-ዘበን መጠን ዕብየት ግና፣ ናብ 3.4 ሚእታዊ ከምዘንቆልቆለ ንዓመታ ድማ ናብ 2.1 ሚእታዊ ከምዝወርድ ይሕብር።

እቲ ሪፖርት መጠን ዕብየት ቁጠባ ኤርትራ ስለምንታይ ከምዘንቆልቆለ ጠንቁ ኣይገለፀን። ወከልቲ IMF መብርሂ ንክህቡ‘ውን ክንረኽቦም ኣይካኣልና።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣መጠን ዝቅባበ ኣብ ኤርትራ ዓሚ፣ሎሚ ዘበንን ንዓመታን 12.3 ሚእታዊ ኮይኑ ከምዝቅፅል ተገሊፁ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG