ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ዳህሳስ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ካብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ፡ ምርድዳእ ኣይተበጽሐን


ብዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ዝተመዘዘ ኢትዮጵያ በጺሑ ዳህሳስ ስራሕ ከካይድ ዝቐነየ ጉጅለ፡ ምስ መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ብዘይምብጻሕ ትማሊ ሰሉስ ከም ዝተመልሰ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ነታ ብሕጽረት ባጤራ ወጻኢ እትሳቐ ዘላ ሃገር ንምሕጋዝን ቍጠባዊ ምትዕርራይ ንምግባር ዘኽእሉ ሓያሎ ኣርእስታት ኣልዒሎም ብዕምቆት ምዝታዮም እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ዝርርብ ንዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዋሺንግተን ክቕጽል ምዃኑ’ውን መግለጺ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ብ"ክለብ ፓሪስ” ዝብል ስም ዝጽዋዕ ኣለቃሕቲ፡ ንቻይና ዘይሓወሰ ዓበይቲ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ክሳብ 31 መጋቢት (ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ምዃኑ’ዩ)ምስ ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ስምምዕ ክትገብር ገደብ ግዜ ኣቐሚጡ ነይሩ። ቻይና ኣብ 2023 ንኢትዮጵያ እፎይታ ዕዳ ምኽፋል ምሃባ ዝዝከር ኰይኑ፡ ክለብ ፓሪስ ሕጂ ነቲ ዘቐመጦ ናይ ገደብ ግዜ ከተግብሮ እንተዀይኑ ኣይተነጸረን።

ናይ መጨረሽታ ዕዳኣ ኣብ 2022 ዘይከፈለት ኢትዮጵያ ካብ ፕሮግራም ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ወጺኣ ምጽናሓ ይፍለጥ። እታ 28.2 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ነተን ወለድ ዕደአን ንምኽፋል ዘይከኣላ ሰለስተ ሃገራት ማለት ዛምቢያን ጋናን ምጽንባራ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG