ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንኪ ዓለምን ማዕከን ገንዘብን ንኣህጉር ኣፍሪቃ ገንዘባዊ ሓገዝ ክህቡ ጻውዒት ቀሪቡ


ማዕከን ገንዘብ ዓለም - ፋይል
ማዕከን ገንዘብ ዓለም - ፋይል

ባንኪ ዓለምን ማዕከን ገንዘብ ዓለምን ግጭትን ክሊማዊ ለውጥን ዘጥቅዐን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓገዝ ገንዘብ ንክህቡ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

ኣብተን ከም ኒጀር፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶ ዝበላ ብግጭት ዝተጠቕዓ ሃገራት ዝነብር ህዝቢ ኣብ ሕርሻ ዝምርኮስ እዩ ዝበሉ ክኢላታት፡ ንክሊማዊ ለውጢ`ውን ተጠቃዕቲ ምዃነን ይገልጹ።

መራሕቲ ኣፍሪቃን ክኢላታትን ነቲ ብድሆ ንምግጣሙ ነተን ሃገራት ልዕሊ ዓቕመን ብምዃኑ፡ ከም ባንኪ ዓለምን ማዕከን ገንዘብ ዓለምን ፍሉይ ቆላሕታ ክገብሩለን ይግባእ ይብሉ።

ነተን ሃገራት ኣብ ዓመት ክሳብ 50 ቢልየን ዶላር ዋጋ ዘኽፍል ጸገም ምዃኑ`ውን የስምርሉ። ገንዘብ ምልቃሕ ማለት ድማ ነዘን ሃገራት ዝያዳ ሃስያ'ዩ ክብሉ`ውን ይከራኸሩ።

እቲ ክርክር ዝለዓል ዘሎ እቶም ኣለቃሕቲ ትካላት ነተን ሃገራት ገንዘብ ከለቅሑ ከለዉ፡ ንለውጢ ክሊማ ኣብ ግምት ኣየእትውዎን ዘለዉ ዝብል ሕቶ ምስተላዕለ`ዩ።

ነቲ ገንዘብ ንምርካብ ካልእ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርኣይ ወተሃደራዊ ምግልብባጣት ምዃኑ እቶም ክኢላታት ኣይሓብኡን። ዓበይቲ ባንክታት ልምዓት ብወገነን፡ ክሊማዊ ለውጢ ከቢድ ቁጠባዊ ስግኣት ምዃኑ ኣፍልጦ እናሃባሉ ይመጻ`ለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG