ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪቃ ምዝመዛ ጉልበት ህፃናት ንምንካይን ንምውጋድ ክብ ዝበለ ፃዕሪ ይደልይ ኣሎ ተባሂሉ

  • መለስካቸው ኣምሃ
  • ምንያ ኣፈወርቂ

ሚኒስትር ሰራሕተኛታትን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ኣቶ ዓብዱልፈታሕ ዓብዱላሂ

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ምዝመዛ ጉልበት ብ10 ሚእታዊት እንተነከየ’ዃ ግዱድ ስራሕን ምዝመዛ ጉልበት ህፃናት ንምንካይ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንምውጋድ ክብ ዝበለ ፃዕሪ ይደልይ ኣሎ ተባሂሉ።ኣብ ኢትዮጵያ እውን እቲ ፀገም ምሉእ ብምሉእ ኣይተወገደን ክብሉ ሚኒስትር ሰራሕተኛታትን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኣቶ ዓብዱልፈታሕ ዓብዱላሂ ኣፍሊጦም።

ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ብሸነክ ደቡብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርኸባ ሃገራት ንዘሎ ምዝመዛ ጉልበት ቆልዑን ግዱድ ስራሕን ብዝምልከት ኣብ ዝዝትይ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ናይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ’ቶም ሚኒስተር ሰራሕተኛታትን ማሕበራዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ አቶ ዓብዱልፈታሕ ዓብዱላሂ ካብ ግዱድ ስራሕ ዓለም ካብ ዓለምለኸ ትካል ሰራሕተኛታትን ዝተረኽበ ሓበሬታ ብምጥቃስ ኣብ ኣፍሪቃ 3.7 ሚልዮን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑትን ግዳያት ግዱድ ስራሕን ምዝመዛ ጉልበትን እዮም ኢሎም።

ካብ 5-17 ዓመት ዝዕድሚኦም 58 ሚልዮን ቆልዑ ኸአ ምዝመዛ ጉልበት ይፍጸሞም ኢሎም።

ንሶም ብምቅጻል ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ምዝመዛ ጉልበት ቆልዑ ብ10 ሚእታዊት ጎዲሉ’ዩ ግን ጉልበት ምዝመዛ ቆልዑ ንምንካይ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንምውጋድ ዝያዳ ስራሕ የድልይ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG