ሱማሊያዊት ኣሜሪካዊት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሚንያፖሊስ ኣብዝተኻየደ መባእታዊ ምርጫ ፈላመይቲ ሱማሊያዊት ኣባል ቤት ምኽሪ ክፍለ ግዝኣት ሚኒሶታ ንምዃን ትወዳደር ኣላ።
ኢልሃን ዖማር ናይ ዴሞክራስቲክ ፋርመር-ሌበር ፓርቲ ብምውካል ኣብ ዝተኻየደ ናይ መፃረዪ ውድድር ን40 ዓመታት ኣባል ቤት ምኽሪ ከባቢኦም ኮይኖም ዘገልገሉ ፊሊስ ካህን እያ ስዒራቶም።
ኢልሃን ዖማር ኣብ ዝቕፅል ሕዳር ኣብዝካየድ ምርጫ ብሰፊሑ ክትስዕር እያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
33 ዓመት ዝዕድሚኣ ኢልሃን ዖማር ድሕሪ ዓወታ ንሱማሊያዊያንን ሱማሊያዊያን ዘይኮኑን ደገፍታን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘስምዐቶ መደረ " ታሪኽ ሰሪሕና ኣለና " ኢላ’ላ።