ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዘይሕጋዊያን ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተጠርጠሩ 70 ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዛምብያ ተኣሲሮም


ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተጠርጠሩ 70 ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዛምቢያ ሉሳካ ከምዝተኣስሩ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ነዚ ዘረጋገፀ ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ፅፁይ ሓበሬታ ንምርካብን ኣገልግሎትን ሓገዝን ቆንስልን ንምሃብን ዲፕሎማት ናብ ዛምቢያ ከምዝልእኽ ገሊፁ።

ቀዳምን ሰንበትን ኣብዝተኻየደ ዳህሳስ 70 ኢትዮጵያዊያን ቻዛንካ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ክፋል ከተማ ሉሳካ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ንጉዳይ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ዝጠቐሰት “ዛምቢያ ታይምስ” ዝተባህለ ጋዜጣ ሓቢራ።ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ዝተገልፀ ኾይኑ ዝኾነ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ከምዘይነበሮም ተሓቢሩ’ሎ።

ነዚ ዝረጋገፁ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወፃኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ከምዚ ኢሎም።

“ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ይሰግሩ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ፍርቆም ኣብ ኮንቴነር ገሊኦም ድማ እቶም ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ኣብ ዘቐመጡዎም ቦታ እናሃለው ተታሒዞም ኣለው።ዕድሚኦም ካብ 25 ክሳብ 40 ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ገሊኦም ንነዊሕ ግዜ ኣብቲ ኮንቴነር ክቕመጡ ስለዝተገደዱ ጉድኣት ዝበፅሖም እዮም።”

ዝተፃረየ ሓበሬታ ንምርካብን ዜጋታትና ኣገልግሎት ቆንስልን ሓገዝን ንምሃብ ኣብ ዙምባቤ ዝርከብ ኤምባሲ ዲፕሎማት ፅባሕ ናብ ዛምቢያ ከዋፍር እዩ ።

እቶም ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ዛምቢያ ብምዝርራቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮን ንኽምለሱ ፃዕርታት ከምዝገበረ ብምግላፅ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ 147 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተገይሩ’ሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ንሶም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዓለምለኸ ፀገም ከም ምዃኑ እቲ ፀገም ኣብ ኢትዮጵያዊ እውን ስለዘሎ መንግስቲ ግብረ ሃይል ኣጣይሹ ኣብ ምስራሕ ይርከብ ኣሎ ኢሎም።

ንሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምስጋር ወይ ድማ በዚ ኣገባብ ንምስጋር ምስምማዕ ኣብ ዛምቢያ ካብ 15 ክሳብ 20 ዓመታት ማእሰርቲ ዘቕፅዕ ከቢድ ገበን ምዃኑ ኣብቲ ፀብፃብ ተሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG