ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ክእከቡ እዮም


Intergovernmental Authority on Development (IGAD) logo
Intergovernmental Authority on Development (IGAD) logo

መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ንልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ናይ ወመዳእታ መዕልቦ ንምሃብ ፅባሕ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጉባኤ ከካይዱ እዮም።

እቶም መራሕቲ ዝእከቡ ዘለው መፍትሒ ሓሳብ ንምፅዓን ከይኮነስ መንግስትን ተቓዋምን ደቡብ ሱዳን ባዕሎም መፍትሒ ንኸምፅኡ እዮም ክብሉ ዋና ኣደራዳሪ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ተዛሪቦም።

ኩሎም መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዘሳትፍ ኣኼባ ክካየድ እዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ኣብቲ ኣኼባ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንትን መራሒ ተቓዋምን ክሳተፉ እዮም ኢሎም።እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ እቶም ተላዘብቲ መፍትሒ ንምፅዓን ከይኮነስ ተነሓናሕቲ ወገናት ባዕሎም ኣብ ዝተረፉ ወሰንቲ ጉዳያት ብቐጥታ ንክላዘቡ ኢና ንሓስብ ዘለና ኢሎም።

ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ክዘራረቡ ዝፀንሑ ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ዛጊድ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ክሰማምዑ ኣይክኣሉን።

ፕሬዝዳንት ሳላቫ ኪርን መራሒ ተቓዋሚ ሪያክ ማቻርን ብፍላይ ንኽልተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ዝፀንሕ ሃገራዊ ሓድነት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ስልጣን ከመይ ከምዝከፋፈሉ ክሰማምዑ ኣለዎም።ብኢጋድ ቀሪቡ ዝነበረ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ ሓላፍነቶም ክቕፅሉ ዝገብር ረቂቕ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰነድ እቶም ተቓወምቲ ኣይተቐበሉዎን።ካብ እዋ ስግግር ጀሚሩ ፈዴራላዊ መንግስታዊ መሓውር ተግባራዊ ንክኸውን ተቓዋሚ ሓቲቶም መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣይተቐበሎን።

ኣብ ናይ ፅባሕ ኣኼባ ክፍትሑ ትፅቢት ዝግበረሎም እውን ከምዚኦም ዝበሉ ቁልፊ ጉዳያት እዮም።

XS
SM
MD
LG