ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጋድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ ማዕቀብ ንክንበር ምጽውዑ ንኤርትራ ንድሕሪት ንምምላስ ዝግበር ፈተነ`ዩ-ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም


መራሕቲ ኢጋድ
መራሕቲ ኢጋድ

ንኢጋድ ወኪሎም ዝተዛረቡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኤርትራ ስግኣት ዞባዊ ጸጥታ ስለዝኾነት`ዩ ኢሎም፡ ኣምባሳደር ግርማ "ሓሶት ግደፍዎ" ይብሉ

ኣኼባ መራሕቲ በይነ-መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝፀወዖ መበል 18 ፍሉይ ኣኼባ፣ ንጉዳይ ሶማልያ፣ሱዳንን መንግስቲ ኤርትራን መኺሩ ውሳነ ኣሕሊፉ‘ሎ። እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነበረ ማዕቀብ ንክፀንዕ፣ ተወሳኺ ማዕቀብ ንክግበር ፀዊዑ‘ሎ።ወሃቢ-ቃል ምንስቲር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣጋይሽና‘ዮም።

ኣኼባ ቤት ምኽሪ ምኒስቲራት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ተራኺቦም፣ኣብ ጉዳይ ሱዳን፣ሶማልያን ከምኡውን መንግስቲ ኤርትራ ዝምልከት ተዘራሪቦም ረቂቅ ውሳነ ናብ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ከምዘቅረቡ ዝፍለጥ‘ዩ።

ናይ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣዶ-መንበር ኢጋድ ዝኾነት ኢትዮዽያ’ያ።ብዛዕባ‘ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ ዋዕላ ኢጋድን ውሳነታቱን መብርሂ ንክህቡና ሓቲትናዮም’ለና።ኣምባሳደር ዲና ክዛረቡ ከለው”ጉዳይ ሶማልያ ዝተሓላለኸን ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደን፣መሰጋገሪ መንግስቲን ዓቃቢ-ሰላምን ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዝተባባዕ ምኻኑን እዚ ዝተረኽበ ምዕባለ ንምዕቃብን፣ብመሰረት ውዕል ካምፓላ ነቲ መስርሕ ንምቅፃልን‘ዩ” ኢሎም።

ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብዝምልከት ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ክዛረቡ ከለው፣ “ፕረዚደንት ኦማር ኣልባሽርን ፕረዚደንት ሳልቫ ኬይርን፣ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ተሳቲፎም‘ዮም።ዓቃቢ-ሰላም ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ኣበዪይ ንክዋፈር ንዝሓለፈ ውሳነ ከምዝድግፉ ኣረጋጊፆም‘ለው።ነቲ ዘይተተግበረ ክፍሊ ውዕል ሰላም ሰሜንን ደቡብን ኣብ ምትግባሩ ንክስራሓሉ” ተዘሪብሉ‘ዩ ይብሉ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ”እቲ ቁምነገር፣ኣብ ልዕሊ ሻዕቢያ ዝተነበረ ማዕቀብ ኣይሰርሐን ዝብል‘ዩ።እቲ ኣመራርሓ ንዝምድናታት ህዝቢታት ኤርትራን ኣፍሪቃን ይጎድእ‘ዩ ዝብል‘ዩ።ኣብ ኡጋንዳ፣ ጂቡቲ፣ኢትዮዽያን ደቡብ ሱዳንን ንሰላም‘ቲ ዞባ ዝፃባእ ተግባር እናፈፀመ‘ዩ ሓግዩ ዝብል‘ዩ።ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ካብ ዝተሳተፉ ወከልቲ ሕ/ሃ፣ብሕልፊ ንጉዳይ ሶማልያ ዝከታተሉ ወገናት ተረጋጊፁ‘ዩ።ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ንሰላም‘ዚ ዞባ ዝዘርግ ተግባር ይፍፅም‘ሎ ዝብል‘ዩ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ” ኢሎም።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኡጋንዳ ተኣሳሲሩ ዝኽሰሰሉ ምኽንያት ግን ንዓይ ጋሻ‘ዩ‘ሞ፣መብዛሕተኦም ሰማዕትና‘ውን ከምኡ ኢለ‘የ‘ሞ ዝኣምን።ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኡጋንዳ ተኣሳሲሩ ዝላዓል ዘሎ ዝብል ሕቶ ኣቅሪብናሎም፣ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ዝሃብዎ መልሲ ኣሎ።

”መንግስቲ ኡጋንዳ፣ናብ ሶማልያ ዓቃቢ-ሰላም ምስ ምልኣኻ ተኣሳሲሩ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ምስ ኣል-ሸባብ ብዘለዎ ርክብ‘ዩ ከምኡ ዝባሃል ዘሎ።ፅዋዕ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ሰዓት፣ኣብ ትሕቲ ”ኣስመራ ረትሪት” ዝብል ምስጢራዊ መፀውዒ ዝተፈፀመ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ምስ ኣል-ሸባብ ኮይኑ ዘዋደዶ መንግስቲ ኤርትራ‘ዩ።ብሞኒተሪንግ ግሩፕ ብመርተዖን ዝተደገፈ ጉዳይ‘ዩ” ይብሉ እቶም ኣምባሳደር።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ድሕሪ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ወኪል ሃገሮም ኮይኖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመልሱ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም፣ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝተኸተሎ ኣገባብን ውሳነኡን ክውገዝ ዘለዎን ሓደገኛን እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG